ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መስከረም 2023)

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ዘቕርበልኩም በየነ ሰመረ ናይ ሎሚ 6 መስከረም ኣርእስታት ዜና እዞም ዝስዕቡዮም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ሰባት ብምቕታልን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ። ሰብ መዚ ሩስያ ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍናው ፡ ናይ ኣውስትራልያ ድሮን ትጥቀም ከም ዘላ ገሊጾም ። ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 6 ኣባላት ተቓዋሚ ውድባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
Share