ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ጥቅምቲ 2023)

ናይ ሎሚ 31 ጥቅምቲ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት፡ እስራኤል ፡ ኣብ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምድሪ ብሓማስ ተታሒዙ ዝጸንሐ ንሓደ ወተሃደራ ሓራ ከምዘውጽአ ገሊጻ ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ስጳኛ ጾታዊ ኣመጽ ከም ዝፈጸመ ዝኽሰስ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ዝነበረ ልዊስ ሩቢለስ ፡ ካብ ኵሉ ምስ ኩዕሶ እግሪ ዝተሓሓዝ ንጥፈታት ንሰለስተ ዓመት ከይሳተፍ ብፊፋ ተኣጊዱ ።
Share