ፈረንሳን ካል ኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዜጋታተን ካብ ኒጀር የውጽኣ ኣለዋ።

French nationals gather as they wait to be airlifted back to France on a French military aircraft, at the international Airport in Niamey, Niger, Tuesday, Aug. 1, 2023. Source: AP / Sam Mednick/AP
ዜጋታት ፈረንሳን ካልኦት ኤውሮጳውያንን ካብ ኒጀር ከወጹ ጀሚሮም። ኣብታ ምዕራባዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያዱ፡ ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምስጋእ እዩ እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ። ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ ኣሎ ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝግበረለን ሃገራት ዘለዋ ዝርዝር ኣትያ ኣላ።
Share