ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ሰሜን ኮርያ ዝተኮሰቶ ኑክሌሳዊ ፈተነ፡ ንሓያላን ሀገራት ሓፍ ኮፍ ኣቢልወን፡ ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ጊዜ ህጹጽ ኣኼባ ክገብር ተገዲዱ ኣሎ። ገስጋስ ፈተነታት ሰሜን ኮርያ ነቲ ከባቢን ዓለምን ስግኣትን ፍርሕን ከንጠጢ ዝገበረ ኮይኑ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ መንጎ ዲፕሎማሲያዊን ጎነጻዊን ፍታሕ ተቐርቂሮም ብራዕዲ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ካብ ቁጽጽር ወጺኡ ህልቂት ዓለም ከየከትል፡ እማመታት እኒ ቻይናን ኣመሪካን ኣውሮጳን እንታይ እዩ ዝመስል ዘሎ? እዚ ትሕዝቶ ክምልከቶ እዩ፡
Share





