ጥዕና ኣፍን ስንን ምሕላው ማለት ጥዕና ምሉእ ኣካል ምሕላው እዩ።

A set of various size and colour tooth brush on bathroom table top. Source: Moment RF / twomeows/Getty Images
ማሕበር ስኒ ኣውስትራሊያ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሰለስተ ርብዒ ካብ ኣውስትራሊያዊያን ሳሕቲ ወይ ፈጺሞም ከምዘይሓጽቡ ፤ ኣብ መዓልቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሓደ ግዜ ጥራይ ኣስናኖም ከምዝብርሹ ይሕብር ። እዚ ዘሻቕል ሓድሽ ሓበሬታ እዚ ፡ ካብቲ ናይ ሎሚ ዓመት [7-13 ነሓሰ] ዚኽፈት ሰሙን ጥዕና ስኒ ፡ ኣቐዲሙ ዝወጽእ እዩ ።
Share