መራሕን ምክትልን ጉጅለ ዋግነር ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ፡ ህዝቡ ሓዘኑ ይገልጸሎም።

People stand next to an informal street memorial with lit candles for Wagner Group's military group members killed in a plane crash on Wednesday, (AP Photo/Alexander Zemlianichenko) Source: AP / Alexander Zemlianichenko/AP
ናይ ሩስያ መርማሪ ኮሚተ ፡ሓላፊ ጉጅለ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝሞቱ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ብመርመራ ዲ.ኤን.ኤ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ ። ሓያሎ ደገፍቲ ፕሪጎዚን ፡ ሞቱ ንምሕዛን ኣብ ሞስኮ ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ተረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንወተሃደራት ዋግነር ንሩስያ እሙናት ከም ዝዀኑ ኺመባጽዑ እኳ እንተ ኣዘዞም ፡ መጻኢ እቲ ጕጅለ ግና ንጹር ከም ዘይኰነ እዩ ዝገልጽ ።
Share