ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓውዩ ድሕሪ ምምላሱ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ኣብ ማራቶን በይጂንግ ስራነሽ ይርጋ ተዓዊታ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/11/2023) * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ መጉዳእቲ ሓውዩ ናብ ግጥም ብምምላስ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ብገፊሕ ክትዕወት ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ካልኣይ ዘካየደቶ ግጥም ኣንጻር ቡርኪናፋሶ 3-0 ተሳዒራ፣ * ኢትዮጵያዊት ስራነሽ ይርጋ ንኬንያውያን ብምዕብላል ኣብ ማራቶን በይጂንግ ተዓዊታ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምቛም ካልኣይ ዲቪዥን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ክዉን ክኸውን ብምግባር ካብ ዝመጽእ ሚያዝያ 2025 ኣትሒዙ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣
Share