ቅትለት ህቡባት ኣትሌታት ዓለም ስንባደ ፈጢሩ፣ ኣርሰናል ካብ ኤፍኤ-ካፕ ተገሊፋ፣ ማራቶናት ዱባይን ዢያመንን ኢትዮጵያውያን ተዓዊቶሞም፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/01/2024) * ኣብ ቻይና ዝተኻየደ ማራቶን ዢያመን ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶሞ፣ * ማራቶን ዱባይ ሰንበት ተኻይዱ ንፈለማ ግዚኦም ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትዕግስት ከተማን ኣዲሱ ጎበናን ተዓዊቶሞ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ የዕሪፎም ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኣብ ዝተኻየድሉ ሰሙን ሊቨርፑል ንኣርሰናል ክትግልፋ’ንከላ ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ማንቸስተር ሲቲን ዝርከብአን ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓወት ኣመዝጊበን ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፈን፣ * ሓደ ህቡብ ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለሉን ፍሉጥ ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ንህብብቲ ኣትሌት በዓልቲ ቤቱን ኣደ ክልተ ደቁን ብመኪና ሃሪሙ ቀቲልዋ ዝተባህለሉን ኣብ ስፖርት ዓለም ዘሰንብድ ኩነታት ፈጢሮም፣
Share