ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

Full Podcast

Credit: Getty Images

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2023) * ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛትዩ: ሃገሩ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ kea ተዛሪቡ: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንፀገም ኣፍሪቃውያን ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ኤኮዋስን ተሓተትቲ ገይሩ: መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ክዕድግ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ: ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረጸቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ: ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ንዝብል ውጥን ነጺግዎ ዝብሉ ’ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና'ዮም * እስራኤልን ምዕራባውያን መሓዙታን ተኹሲ ደው ክብል ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ምንጻጎም ይቕጽሉ'ለዉ] ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣውስትራልያን ከኣ ተረርቲ ነቐፌታታት ኣብ ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ነቲ ኩነታት ይቐርቡ'ለዉ። ሓማስ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሳዒሩ'ዩ ንዝብሉ ዘረባታት ክነጽጎ'ንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ነቲ መጥቃዕቲ ከዛይዶ ተዳሊዩ'ሎ ኢሉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ዝብል ትሕዝቶ ኣብ መደብ ሞዛይክ ባህሊ * ኣውስትራልያውያን በቲ ቅልል ዝበለ ወይ ተዛናዪ ባህሎምን ዝተረኽበ ዕድላት ኣውደኣመት] ጽብምል ወይ መደብ ምዝንጋዕ ብዝለዓለ መጠን ብምስትምቓርን ፍሉጣት' ዮም። እንተኾነ ግን ወግዓውያን ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ኣይኮኑን ናቶም ኣካይዳታትን ኣገባባትን ሒዞም ዝመጹ። ዝኾነ መደብ ምዝንጋዕ ወይ ፓርቲ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ይተሓዝ ብዘየገድስ ዘይዝረበሎም ትጽቢታት ባህላዊ ስነምግባር ኣለዎም ፧ ነዚ ዝምልከት ንኣውስትራልያ ኣብ ዝገልጽ መደብና ከነቕርቦ ኢና።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ | SBS Tigrinya