ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ

Live Podcast SBS Tigrinya

* ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳድራት 17-ሃገራት ተቐቢሉ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዩ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፣ ታሪኽ ኤርትራን ጉዕዞ ናጽነትን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ሳዋ ይቐርብ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ክወሃብ’ዩ፣ ኢትዮጵያ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዝምልከት ዋዕላ ምሁራት ከም ዘካየደት ገሊጻ፣ ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ኣለውና። * ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ንፍልስጤማውያን ደጊፎም ኣብ ዝካየዱ ሰላማውያን ሰልፍታት ወይ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝረአ እዩ። ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት መህሪን ፋሩቒን ሊድያ ቶርፕን ኣብ ባይቶ ተኸዲነንኦ ኔረን፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ከይተረፈ ብላዕሊ ተሰንዲዩ መሸፈኒ ኮይኑ’ዩ። ስለዚ እዚ ስካርፍ እንታይ እዩ? ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ሰባት ዝወስድዎ ወይ ዝጥቀምሉ ዘለዉ መጠን ሓሳኹ ዝቐትሉ/ጸረነፍሳት/ኣንቲባዮቲክስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ሓካይም ኣድማዕነትን ቀረብን ኣንቲባዮቲክስ ደረት ዘይብሉ ከምዘይኮነን ሓደስቲ ጸገማት ጥዕና እንተተቐልቂሎም ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። ዝርዝር ናይ’ዚ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት መበል 23 ዓመታዊ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ቢንያም መሓሪን መልክነህ ውዱን ተዓዊቶም፣ ካብ ሓፋሽ ተሳተፍቲ ምረት ናብራ ዝገልጹን ንፋኖ ዝድግፉን ፖለቲካዊ መልእኽታት ተመሓላሊፎም፣ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሮቡዕ ምሸት ኣንጻር ሲየራ ሊዮን ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም 2026 ብጽዑቕ ግመ ተሽፊኑ ስለዝተሰናኸለ ናብ ፊፋ ጥርዓን ኣቕሪባ፣ ዝቕጽል ግጥማ ኣንጻር ቡርኪና ፋሶ ዝጅመረሉ ግዜ ተቐይሩላ፣ ነዘርላንድስ፣ ስዊዘርላንድን ሮማንያን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክሳተፋ ቦትአን ውሑስ ከምዝገበራ ተፈሊጡ፣ እንግሊዛዊት ጋንታ ኤቨርተን መምርሒታት ፋይናንስ ፕሪምየር ሊግ ጥሒሳ ተባሂላ 10 ነጥቢ ክቕነሳ ተወሲኑ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service