ኣርእስታት ዜና፡ ብዕብየት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ከምዝተኣማመንን ናብ ዝሓሸ ኩነታት ተምርሕ ምህላዋን ሚስተር ፍራይደንበርግ ገሊጹ። ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ክኽሰስ ዝግበር ዘሎ ድፍኢት እናሓየለ ኣብዝኸደሉ እቲ ፕረሲደንት ዝበደሎ ከምዘይብሉ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ዶብ የመን-ሱዕዲ ዝተገብረ ኲናት ዕጡቕ ሖቲ የመን 500 ወተሃደራት ሱዕዲ ምዉታትን ቁሱላትን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ሱዕዲ ዓረብ ግና ምላሽ ኣይሃበትሉን። ናይ ቀደም ፕረሲደንት ዙምባብወ ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ተቐቢሩ። ሓንቲ ጓል 24 ኤርትራዊት ኣብ ብርዝቤን፡ ከባቢ ክረስትሜድ ዝርከብ መንበሪኣ ተቐቲላ።
Share






