ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ወሪሮም ኣትዮም ዝነበሩ ሚሊሽያ መንግስቲ ኣመሪካ ተወሳኺ ሓይሊ ድሕሪ ምውፋሩ ከምዝወጹ ተጌሩ። ባርዕ ጫካ ንብረትን ገዛውቲን እናዕነወ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ምንዳዱ ቀጺሉ። ኣብ 2019 ብሰንኪ ምውዳቕ ዓበይቲ ነፈርቲ ዝስዕብ ሞት ኣብ ዙርያ ዓለም ብልዕሊ ፍርቂ ከምዝነከየ ተፈሊጡ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ጽርግያታት ብሓደጋ ዝመውት ሰብ ኣብ 2019 ብምውሳኽ ሞት ናይ 1200 ሰባት ኣጋጢሙ፡፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ድሕሪ ዝተፈጥረ ሽግር ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን ዩኒቨርሲታት ይ ዕጸዋ ምህላወንን ተፈሊጡ።
Share






