ኣርእስታት ዜና፡ ነቲ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ አሚምዎ ዘሎ ውጥን ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ናይ ፍልስጢኤማውያን ቀ.ሚኒስተር ውዱቕ እዩ ኢልዎ። ኣብ ብሪጣኒያ ብሓያል ንፋስ ተሰኒዩ ዝዘነበ ዝናብ ተፈጢሩ ብዘሎ ኣስጋኢ ዉሒዝን ማዕበልን ነበርቲ ገዛእ ርእሶም ክሕልዉ ተሓቲቶም። ኣብ ጃፓናዊት ናይ ጐዕዞ መርከብ ተወሺቦም ዝርከቡ ኣውስትራሊያዊያን ተጓዓዝቲ ፈደራል መንግስቲ ናብ ዓዶም ከእትቆም ተማሕጺኖም። ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ከምዘላ ክሳብ ዘይተኣመነት ሱዕዲ ዓረብ ምስ ኢራን ክትዛተ ከምዘይኮነት ገሊጻ። ኣብ የመን፤ ናይ ሱዕዲ ነፋሪት ጀት ወዲቓ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዘቕረቦ ስምምዕ ሰላም ተቓወምቲ ከምዝነጸግዎ ተፈሊጡ፡
Share





