ንኣደ ሰለስተ ቆልዑ ሰማንታ መርፊ ዝቐተላ መንእሰይ ስሙ ተገሊጹ

Signage is seen for the Ballarat Law Courts in Ballarat, Victoria, Thursday, March 7, 2024. (AAP Image/James Ross) NO ARCHIVING Source: AAP / JAMES ROSS/AAPIMAGE
ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ካብ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ዝኾነት ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ባላራት ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ/ከይግለጽ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብይን ወይ ውሳነ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ወዱ ንሓደ ገዲም ተጻዋታይ ፍሉይ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ዝነበረ’ዩ።
Share