Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቻይና ሓድሽ ሚዛን ሓይሊ ዓለም ኣብ ዝፈጠረትሉ ትራምፕ መጀሃሪ ዝኾኖ ብዙሕ ከይሓዘ ተመሊሱ

President Donald Trump shakes hands with Chinese President Xi Jinping during a meeting on the sidelines of the G20

President Donald Trump shakes hands with Chinese President Xi Jinping during a meeting on the sidelines of the G20 Source: AP

ኣብ መላእ’ቲ ብዓቢኡ ናይ ክብሪ ዋዕላ ዝነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኔሮም።


Published

By Claudia Farhart

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / Tigrinya


Share this with family and friends


ኣብ መላእ’ቲ ብዓቢኡ ናይ ክብሪ ዋዕላ ዝነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኔሮም።


ፕረዚደንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ “ዝዓበየ ዋዕላ” ኢሉ ንኢድዎ። ኣብ ክውንነት ግን እቶም ናይ ትሕቲ 48 ሰዓታት ኣብ ቻይና ሒደት ውጽኢታት ጥራይ’ዮም ኣምጺኦም።

ዝኾነ ውጽኢት ክህሉ ዝነበሩ ትጽቢታት ኩሉ ግዜ ትሑታት’ዮም ኔሮም። እንተኾነ ግን ኣብ’ቲ ልዑል-ኣገዳስነት ዝነበሮ ዋዕላ ዝረኣናዮ ንዝምድና ዩኤስ-ቻይና ንዝመጽእ ኣዋርሕን ዓመታትን ክቐርጾ’ዩ።

ካብ’ቶም ኣብኡ ዝተመሃርናዮም እምበኣር እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ቻይና ኣብ ታይዋን ዘለዋ መርገጺ ይተርር

ቻይና ንሰሙናት ኣብ’ዚ ዋዕላ ታይዋ እታ ዝለዓለት ቀዳምነታ ክትከውን ምዃና ከተአንፍት ጸኒሓ’ያ።

ኩነታት’ታ ደሴት ኩሉ ግዜ መጋጨዊ ነጥቢ ኣብ መንጎ መንግስታት ዩኤስን ቻይናን ምስ ኮኑ’ዮም፣ ቻይና ንታይዋን ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ክትኣቱ ዝኾነት ኣብ’ዚ እዋን ባዕላ ትመሓደር ክፍለ ሃገር ወይ ዞባ ኢያ’ያ ትብል፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ነቲ ቻይና ትብሎ ከይከውን ንምክልኻል ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ እታ ብንጽል ዝለዓለት ኣቕራቢት መሳርሒታት ኲናት ንታይዋን ኮይና ጸኒሓ’ያ።

ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ግን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ሓደ ስጉምቲ ኪንይኡ ወሲድዎ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ዝለዓለ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ ዝምድና ዩኤስ-ቻይና እቲ ከመይ ገይራ ዩኤስ ምስ ታይዋን ትራኸብ ዝብል’ዩ ክብል ብግልጺን ብንጹርን ገሊጹ።

“ሕቶ ታይዋን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣብ ዝምድና ቻይና-ዩኤስ’ዩ፣” ክብል ሺ ንትራምፕ ነጊርዎ፣ ብመሰረት ሓደ ጽሑፍ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና። “ብግቡእ እንተተታሒዙ፣ እቲ ክልተኣዊ ዝምድና ሓፈሻዊ ምርግጋእ ክህልዎ’ዩ። ብሕማቕ እንተተታሒዙ ግን፣ ክልቲኤን ሃገራት ክጋጨዋ ወይ’ውን ክዋግኣ’የን፣ ንመላእ ዝምድና ዩኤስ-ቻይና ኣብ ሓደ ኣመና ሓደገኛ ኩነታት ከእትዎ’ዩ።”

ድሒሩ ኣብ’ቲ መዓልቲ ርድኢቱ ብዛዕባ’ዚ ምስ ተሓተተ፣ ትራምፕ ዋላ ሓደ ከይብል መሪጹ። ስቕታኡ ከም ሓደ ዓወት’ዩ ተራእዩ ኣብ ታይዋን፣ ካብ ጽሑፍ ወጻኢ ብምኻድ ከይተፈለጦ ንመርገጺ ዩኤስ ኣብ’ታ ደሴት ከይቅይሮ ናብ’ቲ ዋዕላ ክኸይድ’ንከሎ እቲ ስግኣት ወይ ፍርሒ ልዑል ኔሩ።

እቶም ንትራምፕ ኣሰንዮሞ ዝኸዱ ኣባላቱ’ውን ንዘረባታት ሺ ከነኣእሱ ተላኢኾም።

“ክሳብ ሎሚን ክሳብ’ቲ ኣብ’ዚ ሎሚ ዝነበረና ርክብ፣ ፖሊሲ ዩኤስ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ኣይተቐየረን።” ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዩኤስ ማርኮ ሩቢዮ ገሊጹ። “ተላዒሉ ኔሩ’ዩ። ብወገኖም ኩሉ ግዜ የልዕልዎ’ዮም። ኩሉ ግዜ መርገጺና ደጊምና ኣነጺርና ናብ ካልኦት ኣርእስታት ንሰግር።”

እንተኾነ ግን ቻይና መርገጺኣ ኣነጺራቶ’ያ፣ ቀጻሊ ደገፍ ዩኤስ ንታይዋን ንሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ንግዳዊ ዝምድናታት ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል’ዩ።

ዩኤስ $2.09b ጥማር መሳርሒታት ኲናት ንታይዋን ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣጽዲቓትላ’ያ፣ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ገና ናይ መወዳእታ ፈቓዱ ስለዘይሃበሉ ዝበጽሓሉ እዋን ደው ኢሉ’ዮ።

እዞም መሳርሒታት ኣብ መወዳእትኡ ታይዋን ክበጽሑ ድዮም ኣይፋልን እቲ ቀዳማይ ሓቀኛ ፈተና ፈኸራ ፕረዚደንት ሺ ጽልዋ ክህልዎን ኣይክህልዎን ክኸውን’ዩ።

ትራምፕ ነታ በብግዚኡ ምትእምማና ዝውስኽ ዘሎ ቻይና ኣኽብሮቱ የርኢ

እቲ ዋዕላ ዓቢይ ምክብባር ዝነበሮ’ኳ’ንተነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘአንፍቱ ገለ ህሞታት ኔሮም።

ሺ ቀይሕ ምንጻፍ ዘርጊሑ ትራምፕ ክብሪ ዝረኸበ ኮይኑ መታን ክስመዖ ብዙሕ ሰሪሑ፣ ምክትል ፕረዚደንቱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክቕበሎ ብምልኣኽ፣ ኣብ ዑደት ገዳም ገነት (ቴምፕል ኦፍ ሄቨን) ባዕሉ ኣሰንይዎ ብምኻድን ነቲ ብዝለዓለ መጠን ምስጢራዊ ዝኾነን ንሱን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝነብርሉ ቀጽሪ/ዦንናንሃይ ኮምፕውንድ ክበጽሕ ብምፍቃድን።

እንተኾነ ግን ሺ መጠንቀቕታታት ንትራምፕ ክህቦ ኣይፈርሐን፣ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ሳዕቤን ዘይምትሕብባር’ውን።

“ዝምድናታት ቻይና-ዩኤስ ሎሚ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክልተኣዊ ዝምድና ምዃኑ ተሰማሚዕና፣” ኢሉ ሺ ኣብ’ቲ ንኽብሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት። “ብጽቡቕ ጥራይ’ዮም ክተሓዙ ዘለዎም፣ ክተናኸፉ የብሎምን። ክልቲኤን ሃገራት ምስ ዝተሓባበራ፣ ክልቲኤን ይኸስባ፣ ኣብ ዝበኣሳሉ ድማ ክልቲኤን ይሳቐያ።”

ብኣንጻሩ ትራምፕ ዘይተለምደ ተኣዲቡ ኔሩ፣ ኣብ መላእ’ቲ ዋዕላ ቃንኡ ኣወንታዊ ገይሩ ክሕዞ ዝቕንዞ ዝነበረ ይመስል። ንሱ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ’ቲ ምውቕ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ ኣድኒቑ፣ ናብ ከሰሓሕቡ ዝኽእሉ ነጥብታት ክኸይድ ኣብዩ፣ ኣብ ግርማን መልክዕን ሺ’ውን ዝተደነቐ ይመስል ኔሩ።

“ናብ ሆሊዉድ ከይድኩም ንሓደ መራሒ ቻይና ኮይኑ ክዋሳእ ኣብ ሓደ ፊልም እንተደሊኹም፣ ንሱ ቀንዲ ተዋሳይ ይኸውን፣” ኢሉ ትራምፕ፣ “ኣካላዊ ትርኢቱ’ውን እንተኾነ ጽቡቕ’ዩ፣ ነዊሕ’ዩ፣ ኣዝዩ ነዊሕ።”

እዚ ንጹር ፍልልይ ካብ’ቶም ትራምፕ ብዛዕባ ቻይና ቀደም ዝብሎም ዝነበረ’ዩ፣ ሓንሳብ ቻይና ንዩኤስ “ንዕምጻ’ላ” ኢሉ፣ “ኣይመሻርኽቲ ኣይመሓዛ” ኢሉ ጸዊዕዋ፣ ንነዊሕ እዋን ንኮቪድ-19 ‘ቫይረስ ቻይና’ እናበለ ይጽውዖ ኔሩ።

እቲ ዋዕላ ክዕጾ ኣብ ዝተቓረበሉ፣ ሺ ዝርርባቶም ንሓድሽ ዝምድና ዩኤስ-ቻይና መርሃዕዮ ኣቐሚጦም ኣለዉ ኢሉ። እዚ ሓቂ እንተኾይኑ ምናልባት ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ኣዝዩ ዝተፈልየ ሚዛን ወይ ዳይናሚክ ናይ ሓይሊ ክኸውን’ዩ ማለት’ዩ።

ትራምፕ ሒደት ዓወታት ኣብ ኢዱ ሒዙ ንዓዱ ተመሊሱ

ኣብዚ ዋዕላ ዓቢ ንግዳዊ ስምምዕ ክግበር ዝነበሩ ተስፋታት ኩሉ ግዜ ትሑታት እኳ እንተነበሩ፡ ትራምፕ ግን ካብ’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንታሕቲ ሒዙ ዝኸደ ይመስል።

ዩኤስ ገለ ዓወታት ኣመዝጊበ ኢላ፣ ቻይና 200 ቦይንግ ነፈርቲ ክትገዝእ ተሰማሚዓ ብምባል፣ እዚ ንዳርጋ ሓደ ዕቑድ ንግዳዊ ነፋሪት ኣሜሪካ ክትገዝእ ንፈለማኣ ምዃኑ’ዩ፣ ግን ከኣ ዕዳጋታት ካብ ዝገመትዎ 500 ጀታት ኣዝዩ ዝተሓተ። እዚ መግለጺ ብርኪታት ኣብ’ቲ ኩባንያ ብኣርባዕተ ካብ ሚእቲ ክወርዱ ገይሮም።

ቻይና ኣብ ግዜ’ቲ ዋዕላ ፈቓዳት ሰደድ ናይ ኣማኢት ኣሜሪካውያን ትካላት መመስርሒ ስጋ ኣሐዲሳ። እንተኾነ ግን ኣብ’ቲ ቁጽሪ ሓደ ሰደድ ኣሜሪካ ናብ ቻይና ዝኾነ ሶይቢንስ (ፋጆሊ) ቃል ኣብ ክንዲ ተውሕስ፣ ዩኤስ ዝኾነ ተወሳኺ ዝርዝር ከየቕረበት ኣብ’ዞም ዝመጹ መዓልታት ‘ብድርብ ኣሃዛት ቢልዮናት’ ዋጋ ዘለዎም ሕርሻዊ ምህርታት ክለኣኹ ውዕል ክንገብር ትጽቢት ንገብር ኢላ።

እዞም ውጽኢታት ነቲ ቀቅድሚ’ቶም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየዱ ወሰንቲ ምርጫታት መፋርቕ ግዜ ስልጣን (ሚድተርም ኢለክሽንስ) ዘለዎ እናንቆልቆለ ዝርከብ ደገፍ ኣብ ህዝቡ ንምድንፋዕ ንዓዱ ሓደ ብእኹል መጠን ዓቢይ ዝኾነ ውዕል ክወስድ ተተስፍዩ ዝነበረ ትራምፕ ጽፍዒት ክኾኑ ዝለዓለ ተኽእሎ’ሎ።

ሓድሽ ምዕባለ ኣብ’ቲ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ከኣ’ሞ ዝያዳ ዘይርከብ ኮይኑ። ናብ’ቲ ዋዕላ ኣብ ዘምራሕናሉ ውዕል ምቁራጽ ተዂሲ ከውሕስ ሓገዝ ቻይና ኣየድልየንን’ዩ ኢሉ እንተነበረ’ኳ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ትራምፕ ብቃልዕ ንቻይና እቲ ተጽዕኖኣ ተጠቒማ ንኢራን ውዕል ክትኣቱ ከተእምና ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ትራምፕ፣ ሺ ውዕል ሰላም ክግበር ክሽምግል ክሕግዝ ሓቲቱን ዝኾነ ወተሃደራቲ መሳርሒ ናብ ኢራን ከይልእኽ ቃል ኣትዩን እንተበለ’ኳ ቻይና ባዕላ ኣብ’ዚ ጉዳይ ጽጹይ ቃል ኣይሃበትን። ኣብ ክንድኡ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና “እዚፈጺሙ ከጋጥም ዘይነበሮ ግጭት ዝቕጽለሉ ምኽንያቱ የብሉን፣” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

እዞም ውሱናት ውጽኢታት ናይ’ዚ ዋዕላ ካልእ ምልክት እናደኸመ ዝኸደ ጸብለልታ ዩኤስ ኣብ ልዕሊ ቻይና ኮይኖም’ዮም ብሰፊሑ ዝረኣዩ ዘለዉ።

ክልቲኦም ወገናት ዝቐረበ ጽምዶ ይደልዩ

ዋላ እኳ ገለ ኣዝዩ ብቓልዕ ዝተኻየደ ሓይሊኻ ምርኣይን እቲ ብጭቡጥ ዝተሰማምዐሉ እንታይ’ዩ ዘይምርድዳእን እንተሃለወ፡ ክልቲአን ኣመሪካን ቻይናን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝደልያ ምልክት ሂበን።

ሺ ክልቲአን ሃገራት “መሻርኽቲ እምበር ተጻባእቲ ክኾና የብለንን” ክብል እንከሎ፡ ትራምፕ ድማ “ዝዓበየ ብልጽግና፣ ምትሕግጋዝን ሓጐስን ዘለዎ መጻኢ” ንምፍጣር ብሓባር ዝሰርሓሉ ተዛሪቡ።

ኣብ ክውንነት፣ ክልቲኦም ክዕወቱ ነንሓድሕዶም ከምዝደላለዩ ይፈልጡ’ዮም። ቻይና 90% ብቕዓት ምምስራሕ ብርቂ መሬታዊ ማዕድናት ትቆጻጸር፣ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ኲናት ንግዲ ምስ ዩኤስ ወሰንቲ ማዕድናት ጅሆ ክትሕዞም ምሉእ ፈቓደኛ ምዃና ኣርእያ’ያ። እዚኦም ብፍላይ ንዩኤስ ኣገደስቲ’ዮም፣ ዩኤስ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣቃጺላ ዝወደኣቶ ዕጥቂ ሚሳይላት ክትመልኦ ተማዕዱ ስለዘላ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ፡ ዩኤስ፣ ነቲ ቻይና ንመጻኢ ቁጠባዊ ዕብየታ ከም እምነ ኩርናዕ እትርእዮ ናይ AI ኢንዱስትሪኣ ጸዓት ንምሃብ ዘድልይዋ ምዕቡላት ሴሚኮንዳክተራት ወሳኒ መፍትሕ ሒዛ ኣላ።

ንሕጂ ክልቲኦም ዛዕባታት ኣይተፈትሑን፣ እቲ ዝሰፍሐ ኲናት ንግዲ ኣብ መንጎኦም’ውን ከምኡ፣ ታሪፋት ታሕቲ ኮይኖም ንክጸንሑ’ውን ጽኑዕ ድሌት ወይ ተወፋይነት የለን።

እንተኾነ ግን እዚ ርክብ ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ዝተመደቡ ኣርባዕተ ሓደ ጥራይ’ዩ ክኸውን ተባሂሉ። ቅድሚ ምምላሱ፣ ትራምፕ ንሺ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ምብጻሕ ክገብር ዕድመ ኣቕሪብሉ’ሎ፣ ንሱ’ውን ተቐቢልዎ’ሎ።

ክሳብ ሽዕኡ ግን እቲ ዝበለጸ ተስፋኦም እዚ ሓድሽ ተኣፋፊ ምርግጋእ ክጸንዕ’ዩ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now