ዲሪበ ወልተጂ ሓድሽ ክብረወሰን ሓደ ማይል ኣመዝጊባ፣ ቢንያም ግርማይ ሻምናይ ወጺኡ፣ ስዕረት ሊቨርፑል ይቕሬታ ደያኑ ኣገዲዱ

Credit: World Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/10/2023) * ኢትዮጵያዊት ዲሪበ ወልተጂ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ርሕቀት ሓደ ማይል ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓደ ክላሲክ ቅድድም ብሽግለታ ዝድነቕ 8ይ ወጺኡ፣ * ኣልኣህሊ ኣብ ካልኣይ እግሪ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ንቅዱስ ጊዮርጊስ 4-0 ስዒራታ፣ ብውህሉል 7-0 ብምዕዋት ከኣ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ/ኣፍኮን 2027 ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ከአንግድኦ ምዃነን ተፈሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ናይ ቪድዮ ተሓጋጋዚ ዳኛ ብዝፈጸሞ ጌጋ ብቶተንሃም ድሕሪ ምስዓራ ናይ’ዚ ሰሙን ዝዓበየ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ፣
Share