ማንቸስተር ደርቢ ብዓወት ሲቲ 3-1 ተዛዚሙ፣ ፖግባ ኣርባዕተ ዓመት ተፈሪድዎ፣ ሱቱሜ ከበደ ኣብ ቶክዮ ተዓዊታ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/03/2024) * ሻምፒዮና ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ግላስጎው 24 ብዙሓት ኣገረምቲ ውጽኢታት ተመዝጊብዎ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኢትዮጵያዊት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ * ሶኑይ ኣብ ዝጅመር ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ቢንያም ግርማይ ንጋንትኡ ኢንተርማርሸ-ዎንቲ መሪሑ ክሳተፍ ምዃኑ ክረጋገጽ’ንከሎ ኣማኑኤል ገ/ሄር ከኣ ንጋንትኡ ሊድል ትሬክ ወኪሉ ክሳተፍ’ዩ፣ * ፈረንሳዊ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ተጻዋታይ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ጁቬንቱስን ዝነበረ ፖውል ፖግባ ዘይሕጋውያን ሓይሊ ዘደንፍዑ ንጥረነገራት ኣብ ነብሱ ድሕሪ ምርካቦም ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ኩዕሶ እግሪ ክእገድ ተወሲንሉ፣
Share



