ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታታ ኣመዝጊቡ፣ ቶተንሃምን ኣርሴናልን ኣብ ፕሪምየር ሊግ መሪሕነት ሒዘን፣ ሲፋን ሓሰን ኣብ ቺካጎ ተዓዊታ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/10/2023) * ሲፋን ሓሰን ሰንበት ኣብ ማራቶን ቺካጎ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ፈረንሳን ኢጣልያን ይሳተፉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ቶተንሃም ብ10 ተጻወቲ ግጥማ ስዒራ መሪሕነት ፕሪምየርሊግ ክትሕዝ እንከላ ኣርሰናል ካብ 2015 ንደሓር ንፈለማ ግዜ ንማንቸስተር ሲቲ ብምስዓር ኣብ ካልኣይ ትስራዕ፣ * ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2030 ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ዝተዘርግሓ ሽዱሽተ ሃገራት ክካየድ ምዃኑ ፊፋ ኣፍሊጡ፣ * ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳዊ ፓውል ፖግባ ካልኣይ ቅምሶ መርመራኡ ህላወ ክልኩላት ንጥረነገራት ኣብ ሰብነቱ ድሕሪ ምምልካቱ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ጸወታ ክእገድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ፣
Share