ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ታሪኻዊ ውጽኢታት ብዝፈታተኑ ውጽኢታት ተዓዊቶም፣ ኣይቮሪ ኮስትን ቐጠርን ጎብለላት ኣህጉራተን ኮይነን፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/02/2024) * ኣብ ኤርትራ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ተኻይዶም ሳምሶን ኣማረን ርግበ ሃብተስላሰን ተዓዊቶም፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ንታሪኻዊ ውጽኢታት ዝፈታተኑ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ብዓወት ኣይቮሪ ኮስት ተዛዚሙ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዲኣር ኮንጎ ስዒራ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ * ቐጠር ሻምፒዮን ኤስያ ኮይና፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ኣብ ኤውሮጳ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድነቕ ምንቅስቓሳቶም ይቕጽሉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እግሊዝ ሰለስቲኤን ኣብ ዝለዓሉ ተርታታት ዝርከባ ጋንታታት ብምዕዋተን ደረጃታተን ዓቂበን ይምርሻ’ለዋ፣ * ኣብ ግጥማት ኦሎሞፒክን ፓራሊምፒክን ፓሪስ 2024 ንተዓወትቲ ዝዕደሉ ስልማታት መዳልያ ቁራጽ ሓጺን ናይ’ቲ ኣብ ዓለም ህቡብ ዝኾነ ሓወልቲ ፍቑራት ኣይፍል ታወር ክህልዎም’ዩ፣
Share