ዕድመ ኣታሊሉ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ ካፍ መርመራ የካይድ፣ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገረምቲ ውጽኢት ይምዝገቦ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/01/2024) * ንተዓዘብቲ ዝመሰጡ መኽፈቲ መደባት ድሕሪ ምክያዶም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ቀዳም ብድሙቕ ኣገባብ ተኸፊቱ፣ * ኣይቮሪኮስት ብዓወት ክትጅምር እንከላ ናይጀርያ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒን ግብጺ ምስ ሞዛምቢክን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ማዕረ ወጺኤን፣ * ኢትዮጵያዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ድሕሪ ምስታፉ ካብ’ቲ ስፖርት ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ኤርትራዊ መንእሰይ ዮኤል ሃብተኣብ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ተጸንቢሩ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሓደ ምትላል ዕድመ ፈጺሙ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ፣ * ፍርቀን ፕሪምየር ሊግ ጋንታታት ጥራይ ግጥማተን ኣብ ዘካየዳሉ ሰሙን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ እንተመዝገበ’ኳ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ብሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ተሳዒራ፣
Share