ጉዳፍ ጸጋይን ትዕግስት ኣሰፋን ንስልማት ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም 2023 ተሓጽየን፣ ደሃይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ካብ ኤውሮጳ

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/10/2023) * ኢትዮጵያውያን ትዕግስት ኣሰፋን ጉዳፍ ጸጋይን ንስልማት ብልጽቲ ኣትሌት ዓመተ 2023 ተሓጽየን፣ * ሻምፒዮን ኦሎምፒክስ 2016 ኢትዮጵያዊት ኣልማዝ ኣያና ኣብ ፍርቂ ማራቶን ደልሂ ክትዕወት’ንከላ መሰረት በለጠ ከኣ ኣብ ማራቶን ኣምስተርዳም ብሉጽ ውልቃዊ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፣ * ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብሓፈሽኡ መበል 12 ደረጃ ሒዙ ተሳትፎኡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪየ ክዛዝም እንከሎ ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ኣብ ቅ/ብ ጂሮ ደል በነቶ ዝነኣድ ምንቅስቓስ ኣርእዮም፣ * ትዕግስት ኣሰፋ ዝሓለፈ እዋን ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ደቀንስትዮ ኣመዝጊባ ናብ ዓዳ ኣብ ዝተመልሰትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ፣ ሳእኒ ዝተወዳደረትሉ ግን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ፣
Share