ጉዳፍ ጸጋይ ንለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን መሪሓ ሰለስቲኡ መዳልያታት ንኢትዮጵያ ኣዕቲራ፣ ስፐይን ሻምፒዮን ዓለም ኮይነን፣

Credit: Watchathletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/08/2023) *ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ኣትለቲክስ 2023 ቡዳፐስት ተዓዊታ፣ ለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን ከኣ ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺኤን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኩሉ መዳልያት ወሲደንኦ፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን ንእንግሊዝ ስዒረን ተዓወትቲ ኮይነን፣ * ኣውስትራልያ ብሽወደን ተሳዒረን ብዘይመዳልያ ራብዓይቲ ወጺኤን፣ እንተኾነ ግን ማቲልዳስ ስለ’ቲ ታሪኻዊ ጉዕዞአን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓወልቲ ክስራሓለን’ዩ፣ * ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዓጀብቲ ፖሊስ ክግበረሉ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ተነጺጉ፣
Share