ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ናይ ኣውስትራልያ ቅድድሙ ዛዚሙ፣ ማራቶን ሙምባይ ኢትዮጵያዊያን ዓብሊሎሞ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/01/2024) * ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ ብቕዓቶም ኣመስኪሮም፣ * ማራቶን ሙምባይ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶሞ፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ገለ ሃገራት ክልተ ግዜ ብምዕዋት ምሕላፈን ድሕሪ ምርግጋጸን ካልኣይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማቱ ኣጠናቒቑ፣ ኬፕቨርደን ሰነጋልን እተን ክልተ ቀዲመን ምሕላፈን ዘረጋገጻ ኮይነን፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ናይ ሓሙሽተ ነጥብታት ፍልልይ ብምፍጣር መሪሕነታ ከተስፍሕ እንከላ ኣርሰናል ብገፊሕ ተዓዊታ ናይ ሳልሳይ ተርታኣ ኣደልዲላ፣
Share