ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ንኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ዝለዓሉ መዳልያታት ኣምጺኤን፣ ቫን ዳይክ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብምህራሙ ብቐይሕ ወጺኡ፣

Credit: World Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/08/2023) * ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኣሜሪካ ብ12 ወርቂ፣ 8 ብሩርን 9 ነሓስን ቀዳመይቲ ወጺኣ፣ ኢትዮጵያ ብ 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስን 6ይቲ ወዲኣ፣ * ኣብ ውድድር ማራቶን ደቀንስትዮ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኢትዮጵያውያን ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዓቲረን፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ከኣ ኣብ ዝለዓሉ 10 ደረጃታት ወዲኤን፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ’ለዉ፣ * ሎሚ ዓመት ኣብ ዕድጊ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝወጽእ ገንዘብ ልዕሊ 2 ቢልዮን ክሓልፍ ምዃኑ ተገሊጹ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወት ብምዕቃብ ትቕጽል ዘላ በይና ጋንታ ኮይና መሪሕነት ሒዛ፣ * ንኮኾብ ተጻዋቲት ሃገሩ ብዘይፍቓዳ ኣብ ከንፈራ ብምስዓሙ ካብ መዝነቱ ክወርድ ሕቶታት ዝቐርበሉ ዘሎ ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስፐይን እምቢታኡ ይቕጽል፣
Share