'ኣውስትራልያ ናብ ፍጻመ ግጥም እንተበጺሐን ህዝባዊ በዓል ክንእውጅ ኢና' ቀ/ሚ ኣልባነዚ፣ ጉዕዞ ናይጀርያ፣ ሞሮኮን ጃማይካን ኣብቂዑ፣

Credit: AAP
ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ ጋንታታት ተፈሊጠን ኣለዋ። ግጥማት ኣውስትራልያ ብብዝሒ ተዓዘብቲ ኣብ ስታድየማት፣ ኣደባባያትን መስኮታት ቴሌቪዥንን ክብረወሰን ሰይሮም። ኣውስትራልያ ክሳብ ፍጻመ ግጥም እንተበጺሐን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ህዝባዊ በዓል ክእውጅ ምዃኑ ገሊጹ። ናይጀርያ፣ ሞሮኮን ጃማይካን ኣንጻር ብዙሕ መሰናኽላት ዘመዝገብኦ ዓወት ኣድናቖት ረኺበን። ልዕልቲ ሜሪ ናይ ዴንማርክ መበቆላ ኣውስትራልያ ብምዃኑ ኣብ ግጥም ዴንማርክን ኣውስትራልያን ንመነን ትድግፍ ተቐርቂራ።
Share