ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣

Credit: AAP / Dean Lewis
ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዘአንግደኦ ዘለዋ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ሰሉስን ሮቡዕን ድሕሪ ምክያዶም ናብ ፍጻመ ግጥም በጺሑ። እንግሊዝን ስፐይንን ሻምፒዮን ዓለም ንምዃን ሰንበት ክገጥማ'ንከለዋ ኣውስትራልያን ሽወደንን ከኣ ንሳልሳይ ደረጃ ቀዳም ክጣፍኣ'የን። ዋንጫ ዓለምን ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ (ማቲልዳስ)ን ዝፈጠርዎ ሃዋህው ግን ብኸመይ ተሓሊፉ፧
Share