ኣብ ናይ’ዚ ዓመት ፈደራል ባጀት ኣብ’ቶም ምትዕርራያት ንቀረጽ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ክቕርቀሩ/ክህሰዩ ዝኽእሉ ኣየኖት ኣውስትራልያውያን’ዮም፧
መንግስቲ ለውጥታት ኣብ ኔጋቲቭ ጊሪንግን ካፒታል ገይንስ ታክስን ኣባይቲ ንምግዛእ ዝቐለለ ዝኾነሉ ኩነታት ንምምሕያሽን ንመንእሰይ ወለዶታት እቲ መወዳደሪ ዕዳጋ ማዕረ ክኸውን ንምግባርን ተባሂሎም ዝተወጠኑ’ዮም ይብል።
ገለ ክኢላታት ግን እዞም ምትዕርራያት ብተወሳኺ ነቶም ሃብቲ ከኻዕብቱ ዝፍትኑን ናብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዝኣትዉን ኣውስትራልያን ዘይተደልየ ወይ ዘይተሓስቡ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ብምባል የጠንቅቑ።
ቁጽሮም እናዓበየ ዝኸይድ መንእሰያት ኣውስትራልያውያን ዋንነት ኣባይቲ ከረጋግጹ ድሮ ካብ’ቲ ልሙድ ወጻኢ’ዮም ዝሓስቡ ዘለዉ - ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ክነብሩሎም መደብ ዘይብሎም ኣባይቲ ይገዝኡ፣ ኣብ ካልኦት ንብረታት እናዋፈሩ ድማ ነዚኦም የካርይዎም፣ ወይ ድማ ትሕጃ ከዋህልሉ ምስ ኣዝማዶም ይነብሩ።
ገሊኦም ኣብ ፈደራል ባጀት 2026 ዝተገልጹ ምትዕርራያት ኣብ ነጋቲቭ ጊይሪንግ ን ካፒታል ገይንስ ታክስ ን ንእናነሃሩ ዝኸዱ ዘለዉ ዋጋታት ኣብ ምዝሓሎም ክሕግዙ’ዮም ኢሎም ትስፉዋት እንተኾኑ’ኳ፣ ካልኦት ውሑዳት እዞም ሓደስቲ ፖሊሲታት ነቲ መንገዶም ናብ’ቲ ዕዳጋ ክሓላልኾ ይኽእል’ዩ ኢሎም ይፈርሑ።
ነጋቲቭ ጊይሪን (Negative gearin) ንክሳራታቱ ኣብ ሓደ ዘውፈሮ ኣባይቲ ተጠቒሙ ነቲ ተቐራጺ ወይ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ንምቕናስ ኩነተ ዓቕሚ ዋሕዚ ጥረ ገንዘብ ናይ ሓደ ኣውፋሪ ከመሓይሾ ይኽእል - እዚ እቶም ኣማኸርቲ ንምቕማር ለቓሓት’ውን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ ይብልዎ።
ኣብ ትሕቲ’ዚ ምትዕርራይ፣ እዚ ረብሓ ድሕሪ ደጊም ንዝጸንሐ ወይ ስሩሕ ኣባይቲ ዝገዝኡ ዓደግቲ ኣይምልከቶምን’ዩ፣ ግን ንሓደስቲ ዝተሃንጹ ኣባይቲ ፍቑድ ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።
እቶም ምቅይያራት ኣብ ኔጋቲቭ ጊይሪን ቅድሚ መዓልቲ ባጀት ንዝገዝኡ ሰባት ነቶም ረብሓታት ክዕቅብዎም’ዮም (ዝቕየር የለን)።
ግብሪ ኣብ መኽሰባት ርእሰማል (Capital Gains Tax) እውን ካብ ሓምለ ዝመጽእ ዓመት ክቕየሩ’ዮም።
ኣብ ትሕቲ’ቲ ቀደም ዝነበረ ኣሰራርሓ፣ ሓደ ሰብ ንሓደ ዓመት ብውሑዱ ሒዞሞ ወይ ወኒኖሞ ዝጸንሑ ሓደ ኣባይቲ (ንብረት) ምስ ዝሸጡ፣ እቲ ክኸፍልዎ ዝግበኦም ቀረጽ ኣብ’ቲ 50% ዝኸሰብዎ ርእሰማል (ካፒታል ገይን) ጥራይ ይኸውን።
እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ነዚ ረብሓ ወይ መኽሰብ ኣልዩ ወይ ኣልጊሱ ምስ ዝቕባበ ዝተኻኸል ኣሰራርሓ (Inflation-Indexed System) ከተኣታቱ’ዩ።
እንተኾነ ግን፣ እቶም ዘለዉ ኣውፈርቲ ኣብ ትሕቲ’ቲ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ድሮ ተዋህሊሉ ንዝጸንሐ መኽሰባት ግብሪ ክዕቅብዎ ወይ ክጥቀምሉ ክኽእሉ’ዮም።
እቲ ምቅይያር ንኣባይቲ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ንብረታት ዝትንክፍ’ዩ።
እዚኦም'ዮም እቶም ኣብ መንጎ ዝህሰዩ ወይ ዝተርፉ።
መንእሰያት ኣውፈርቲ
ወዲ 26 ዓመት ኣሌክሳንደር ክሊሳደል ንመጻኢ ነብሲ ከጣጥሓ ብምባል ብጻዕሪ ክሰርሕ ጸኒሑ፣ ምስ ስድርኡ እናነበረ ገለ ዝቕመጥን ንወፍሪ ዝኸውንን ገንዘብ በይኑ እናቐመጠ።
ንሱ ኣብ ብርክታትን ኣብ exchange-traded funds (ETFs) ኣቐዲሙ ኣውፊሩ፣ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ሲድኒ መስርሕ ምግዛእ ሓደ ንወፍሪ ዝኸውን ኣባይቲ ጀሚሩ።
ብመንገዲ ሓደ ደላላ ኣባይቲ (Mortgage broker) ቅድመ-ምጽዳቕ (ተቐባልነት) ረኺቡ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሓደ ጨረታ ክሳተፍ መደብ ኣለዎ።

እንተኾነ ግን ኣብ’ቲ ናይ ግንቦት ባጀት ዝተገልጹ ምትዕርራያት ኣብ ኔጋቲቭ ጊይሪንግ ብቕጽበት ነቲ ናይ ምልቃሕ ሓይሉ ክቕንስዎ’ዮም ይብል። ምስ ኣማኻሪኡ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ እቲ ኣባይቲ ዝሓሰቦ ድሕሪኡ ኣብ’ቲ ክበጽሖ ወይ ዓቕሙ ዝኾነ ዋጋ ከምዘይነበረ ርእዩ።
ነጋቲቭ ጊይሪን (Negative gearing) ንክሳራታቱ ኣብ ሓደ ዘውፈሮ ኣባይቲ ተጠቒሙ ነቲ ተቐራጺ ወይ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ንምቕናስ ኩነተ ዓቕሚ ዋሕዚ ጥረ ገንዘብ ናይ ሓደ ኣውፋሪ ከመሓይሾ ይኽእል - እዚ እቶም ኣማኸርቲ ንምቕማር ለቓሓት’ውን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ ይብልዎ።

"ከምኡ ዓይነት ወፍሪ ክገዝኣሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ንነብሰይ ከብጽሓ ኩሉ ቅኑዕ ዝበሃል ገይረ፣ ድሕሪኡ ግን ብናተይ ጌጋ ዘይኮነ፣ እቲ ስርዓት ዳርጋ ካባኻ መንጢሉ ዝወስዶ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ፣" ክብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
"ነጋቲቭ ጊይሪን (Negative gearing) ንክሳራታቱ ኣብ ሓደ ዘውፈሮ ኣባይቲ ተጠቒሙ ነቲ ተቐራጺ ወይ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ንምቕናስ ኩነተ ዓቕሚ ዋሕዚ ጥረ ገንዘብ ናይ ሓደ ኣውፋሪ ከመሓይሾ ይኽእል - እዚ እቶም ኣማኸርቲ ንምቕማር ለቓሓት’ውን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ ይብልዎ።"
ኣሌከሳንደር ሕጂ ምልስ ኢሉ ዝያዳ ምስ ዓቕሙ ዝኸዱ ኣማራጺታት ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ይሓስብ ኣሎ።
ነቲ ናይ ብርኪ ወፍሩ ብዝምልከት ብምኽንያት ምስራዝ ትሑት ግብሪ ኣብ መኽሰባት ርእሰማል (ካፒታል ገይንስ ታክስ ዲስካውንት) እቲ ዕዳጋ ተቐይሩ’ዩ ይብል።
"እቶም ኣረግቶት ወለዶ፣ ረብሓታት መክሰባት ርእሰማል፣ ኔጋቲቭ ጊይሪንግን ኔርዎም፣ ንዕኡ ተጠቒሞም’ዮም ድማ ሃብቶም ክሃንጹ ዝኸኣሉ።" ኢሉ።
"ናትና ምኽዕባት ወይ ምህናጽ ሃብቲ ንመጻኢ እንታይ ክመስል’ዩ፧ መን ይፈልጥ፧"
ተኻረይትን ኣውፈርትን (Rentvestors)
ረንቨስቲንግ ኣብ’ቲ መሳልል ኣባይቲ ክስቀሉ ብምባል ኣብ’ቶም ዝያዳ ዓቕሞም ዝኾኑ ዕዳጋታት ኣባይቲ ብምግዛእ ተኻርዮም ክነብሩ ንዝመረጹ ሰባት ዝወሃብ ስም’ዩ።
ኒኮላ ፓወል፣ ሓላፊት ምርምርን ቁጠባን ኣብ ትካል ዶመይን፣ እቶም ምትዕርራያት ኣብ ግብሪ፣ ነቶም ሃብቲ ከኻዕብቱ ወይ ክሃንጹ ዝፍትኑ ረንትቨስተርስን ካልኦት መንእሰያትን ናይ መጻኢ ራእዮም (ኣውትሉክ) ቀይርዎ’ዩ።
"ነቲ መንእሰይ ወለዶ ሃብቲ ንክሃንጽ ወይ ከኻዕብትን ናብ ዕዳጋ ኣባይቲ ክኣቱን ዝተፈልየ መንገዲ ክወስድ ርኢናዮ’ለና።" ክትብል ፓወል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢራ።
እቶም ምትዕርራያት ኣብ ግብሪ፣ ነቶም ሃብቲ ከኻዕብቱ ወይ ክሃንጹ ዝፍትኑ ረንትቨስተርስን ካልኦት መንእሰያትን ናይ መጻኢ ራእዮም ቀይርዎ’ዩ።
"ኣብ መወዳእትኡ ንዕኦም ሕጂ ከምኡ ክገብሩ ዝኸበደ ክኸውን’ዩ፣," ትብል ፓወል
ንሳ እቶም ምትዕርራያት መጠን ዘዋሪ ጥረ ገንዘብ ንረንትቨስተርስ ክቕንሶ ይኽእል፣ ናይ ምልቓሕ ብቕዓቶም የጽብቦ፣ ንምውፋር ኣብ ኣባይትን ብርኪታትን ነቶም ትሕጃ ንገዛ ከዋህልሉ ወይ ከቐምጡ ዝፍትኑ ኣውስትራልያውያን ብመንጽር ግብሪ ጽፉፍ መንገዲ ዝኾነሉ የትሕቶ ትብል።
ቲም ሎውለስ፣ ዋና ኣካያዲ መጽናዕቲ ክፍሊ ኮታሊቲ’ስ ኤስያ-ፓሲፊክ፣ ኣሃዛት ለቓሕ ዘመልክትዎ ረንትቨስቲንግ ብተዛማዲ ውሑዳት ጥራይ ዝጥቀምሉ ስትራተጂ ወይ ሜላ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ፣ ከባቢ 5.6% ጥራይ ካብ ኩሎም ቀዳማይ ኣባይቶም ዝገዝኡ ንመንበሪ መዓላ ዘይኮነ ካልእ ለቓሕ ዝወስዱ።
እቲ 'ግድል' ንተኻረይቲ
ናይ ፈለማ ኣባይቲ፣ ፓወል እዞም ምትዕርራያት ኣብ ስሩሓት ኣባይቲ ዝህሉ ውድድር ካብ ኣውፈርቲ ክቕንስዎ ይኽእሉ፣ ንመንእሰያት ድማ ናብ’ቲ ዕዳጋ ክኣትዉ ቀሊል ይገብሮ።
እንተኾነ ግን ንሳ እዚ ዋጋ ንተኻረይቲ ከጋድዶ ይኽእል’ዩ ትብል።
"ስለ’ዚ ኣነ እቲ ግድል ኣብ’ዚ ዘሎ፣ ትሕጃ ከዋህልሉ ዝፍትኑ ዘለዉ ተኻረይቲ ኣብ ትሕቲ’ዚ ጸቕጢ ልዑላት ክራያት ብዓቢይ መጠን ክብድሁ’ዮም።" ኢላ።
ትንበያ (ሞዴሊንግ) መንግስቲ ዘመልክቶ እዞም ለውጥታት ኣብ ግብሪ ንዕቤት ዋጋታት ኣባይቲ ብከባቢ 2% ዓመታዊ ከዝሕልዎ ምዃኖም’ዩ፣ ነቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ክራያት (መዲያን ረንትስ) ድማ ብ $2 ዶላር ኣብ ሰሙን ጥራይ ይውስኾም።
እንተኾነ ግን ፓወል እዚ ዝለዓለ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ’ያ ትግምት።
ከም ኣብነት ድማ ናብ ኒው ዚላንድ ተመልክት።
እቲ መንግስቶም ኣብ 2021 ንኣውፈርቲ መንበሪ ኣባይቲ ቅናሳት ግብሮም ብዓቢይ መጠን ዝቐነሱ ምትዕርራያት ወይ ለውጥታት ኣተኣታትዩ፣ እቲ ፖሊሲ ግን ድሕሪ ምቕያር መንግስቲ ተቐልቢሱ።
"ስለ’ዚ ኣነ እቲ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ መጠናት ክራይ ዓቢይ ክኸውን ምዃኑ ክሕብረና ዝኽእል ነዊሕ ከይከድና ክንመሃረሎም ንኽእል ኣስተምህሮታት ዘለዉ ይመስለኒ፣" ኢላ ፓወል።
እንተኾነ ግን፣ ሎውለስ፣ ንኤስቢኤስ ኒውስ ከምዝሓበሮ "ክፍሊታት ክራይ ኣባይቲ ሃንደበት ክንህሩ'ዮም" ዝብል ኣይኣምነሉን'ዩ።
ኔይት ፔድሮቲ ወዲ 29 ዓመት ኣባይቲ ክውንን እናዋህለለ ምስ ሕጽይቱ ኣብ መልበርን ተኻርዩ ዝነበር ዘሎ’ዩ።
ወሰኻት ኣብ ገዛ ኽራይ ተኸእሎታት ኣለዎም ኢሉ እንተኣመነ’ኳ በቶም መንግስቲ ኣብ’ቲ ባጀት ዝወሰዶም ስጉምትታት ግን ተተባቢዑ’ዩ።
"ኣብ መንጎ ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት ናብ’ቲ ዕዳጋ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዘለዉን፣ እቶም ምናልባት ሳልሳይ፣ ራብዓይ፣ ሓምሻይ ኣባይቶም ዝገዝኡን ነቲ መወዳደሪ ቦታ ቁርብ ማዕረ ክኸውን ይገብሮ።" ክብል ን SBS News ሓቢሩ።
ንምርግጋእ ገዛ ኽራያት ኣብ ዝምልከት እቲ ግዝኣታዊ መንግስቲ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስድ ተስፋ ይገብር፣ ኣካረይቲን ወነንትን ክንደይ ክውስኹ ይኽእሉ ደረት ምግባር።
ናይ ፈላማ ኣባይቶም ንዝገዝኡ 'ክፋጠጡሎም ዝኽእሉ' ከባቢታት
ንሸመትቲ ናይ ፈለማ ኣባይቲ፣ እዞም ለውጥታት ውድድራት ንስሩሓት ኣባይቲ ክቕንስዎ ይኽእሉ’ዮም።
እንተኾነ ግን ንሓደስቲ ኣባይቲ ነጋቲቭ ጊይሪንግ በነፊትስ ምስ ምህላዉ፣ እዚ ነቶም ኣውፈርቲ ናብ’ቶም ዕዳጋታት ክውሕዙ ወይ ክግዕዙ ክገብር ይኽእል’ዩ።
ስለ’ዚ እቶም ለውጥታት ባጀት ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ፈለምኦም ኣባይቲ ዝገዝኡ ክወርድ ተባሂሉ እንተተወጠነ’ኳ፣ ሎውለስ፣ ምስ ዝያዳ ኣውፈርቲ ሕጂ ክወዳደሩሎም ዝግደድሎም ዘለዉ ቦታታት ዝኾኑ ሓደስቲ ኣባይቲ ኣብ’ቶም ውጽእ ዝበሉ መንበሪ ከባቢታት ከተማታት፣ ምፍሕፋሕ ዝፍጠሩሎም ቦታታት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ይብል።
— With additional reporting by Jasmine Kassis
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.





