ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ተጸንቢሩ፣ ኣርሰናል ንማን ዩናይትድ ስዒራታ፣ ኒው ካስትልን ኣሌክሳንደርን ግን ሳልሳይ ስዕረት ተሰኪሞም፣

Credit: Henok Mulubrhan
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/09/2023) * ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንዝመጹ ክልተ ወቕትታት ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ክጽንበር ምዃኑ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ ኣማኑኤል ሰንበት ኣብ 9ይ መድረኽ ዝድነቕ ራብዓይ ወጺኡ፣ * ዕዳጋ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ጥቓ 3 ቢልዮን ዶላራት ተደናዲኑ ዝሓለፈ ሰሙን ተዓጽዩ፣ * ስዑዳዊት ጋንታ ኣልኢቲሓድ ንሞ ሳላሕ ክትገዝእ ዘካየደቶ ጽዑቕ ጻዕሪ ፈሺሉ፣ ሳላሕ ንጋንትኡ ሊቨርፑል ሽቶ ኣመዝጊቡ ኣብ’ቲ ዓርቢ ዝካየድ ግጥም ሃገሩ ኣንጻር ኢትዮጵያ ግን ዕረፍቲ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወታ ቀጺላ መሪሕነታ ዓቂባ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ሕጂ’ውን ስዕረት ይስከሙ፣ * ኣርሴናል ኣብ ተወሳኺ ግዜ ግጥም ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊባ ንማንቸስተር ዩናይትድ ስዒራታ፣
Share