ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ህዝቢ (census) ሰባት ዝህብዎ ብሕታዊ ሓበሬታታት ብምስጢር ከምዝዕቅቦ ታሪኹ ይምስክረሉ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ቆጸራ ህዝቢ፡ ሰባት ነቲ ፎርም ኣብ ዝመልእሉ እዋን ኣስማቶምን ኣድራሻኦምን ክጽሕፉ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ (ABS) ግድን ገይርዎ ኣሎ።ተጣበቕቲ ብሕታዊ ሓበሬታታት ከምዝጠንቅቕዎ ግና፡ እዚ ተግባር ነቲ ቆጸራ ህዝቢ ብኣሉታ ይጸልዎ ጥራይ ዘይኮነስ ንልክዕነት ዉጽኢት እቲ ምቑጻር ህዝቢውን ርትዓዊ ኣይክገብሮንዩ፡፣
Share





