9 ነሓሰ፡ ምቑጻር ህዝቢ ነበርቲ ኣውስትራሊያ
Census question [Credit: ABS] [Duration in English: ' "] Source: Census question [Credit: ABS] [Duration in English: ' "]
ኣብ ነሓሰ 9 ዝግበር ናይ 2016 ቆጸራ ህዝቢ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝተገብሩ ተመሳሳሊ መጽናዕቲታት እቲ ዝዓበየ ክከውንዩ፡ከም ትጽቢት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ (ABS) ካብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 300 ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣብ ልዕሊ 24 ሚሊዮን ህዝቢ መጽናዕቲ ክግበርዩ።እዚ ኣብ ነፍሲወከፍ 5 ዓመታት ዝግበር መጽናዕቲ ህዝቢ፡ እቲ ቀንዲ ኩነታት ህዝቢ ብምጽናዕ እዚ ሃገር ንመጻኢ መደብ ንምግባር ክሕግዝዩ።ናይዚ ዓመት መጽናዕቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ብኦንላይን ክመልእ ክግበርዩ ።
Share


