ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ጃልባ ንምጅላብን ዓሳን ንምግፋፍን ፍቓድ ብኸመይ ይርከብ? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Fishing boat Source: Getty Images
ኣብ ኣዚዩ ጥዑም ዓዲ ሰሓቢ ወሓይዝ፡ ቀላያትን ዜርካ ዘይውዳእ ገማግም ዉቅያኖሳትን እናተቐመጥካ ብጀላቡ ምዝዋርን ዓሳ ምግፋፍን ካብ ናይ ኣውስትራሊያዊያን ቀንዲ ተፈተውቲ ንጥፈታት ምዃኖም ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ ነዚ ንጥፈታት ብምግባር ምስ ምጅላብን ምግፋፍ ዓሳን ዝመጽእ ሓደጋ ንምጉዳል ኣድለይቲ መምርሒታትን ሕጊታትን ምኽታል ንናይ ነፍሲወከፍ ድሕነት ዝሕግዝ እዩ።
Share