ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰዓት ሓደ ሰብ ይጠፍእ። መብዛሕትኦም ዝርከቡ ይኹኑ እምበር ብመሰረት ሃገራዊ ማእክል ምውህሃድ ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ነፍሲወከፍ ምጥፋእ ናይ ሓደ ሰብ ናይ 12 ሰባት ህይወት ይትንከፍ እዩ። ዕላማ ናይ'ዚ ዓመት ሰሙን ሃገራዊ ምጥፋእ ሰብ (31 ሓምለ - 6 ነሓሰ) ሓደ ሰብ ምስዝጠፍእ ኣብ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ዘምጽኦ ጽልዋ ኣፍልጦ ንምሃብ'ዩ።
Share
Published
Updated
By Beyene Semere
Source: SBS
Share this with family and friends