SKIP TO MAIN CONTENT

ምስ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣባልት ሉኡላዊ ባይቶ ሱዳንን ከነላልየኩም

News
Source: AP

ፍሉጥ ኪኢላ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ንብዙሕ ኣዋርሕ ህዝቢ ሱዳን ብዝገበሮ ዘይሕለል ተቓዉሞ ነቲ ን 30 ዓመታት ዝገዝአ ዑመር ኣልበሺር ምስተዓልወ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽመርሕ እዩ ተመሪጹ። መንዩ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ? እቲ ኣቦ ወምበር ሉኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጀነራል ዳጋሎኸ መንዩ?


Published

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ፍሉጥ ኪኢላ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ንብዙሕ ኣዋርሕ ህዝቢ ሱዳን ብዝገበሮ ዘይሕለል ተቓዉሞ ነቲ ን 30 ዓመታት ዝገዝአ ዑመር ኣልበሺር ምስተዓልወ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽመርሕ እዩ ተመሪጹ። መንዩ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ? እቲ ኣቦ ወምበር ሉኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጀነራል ዳጋሎኸ መንዩ?


 

ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ንሱዳን ክመርሕ ምዃኑ ትማሊ ብወግዒ ዝተገልጸ እቲ ንሱዳን ከማሓድር ብወተሃደራዊን ሲቪልን ዝቖመ ኣካል ኣብ ካርቱም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ተረኽብሉ ዉዕል ድሕሪ ምፍራሙ እዩ።

 

እቲ 6 ሲቪል 5 ድማ ኣባላት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘለዉዎ ሉዑላዊ ባይቶ ሱዳን ክሳብ ምርጫ ዝግበር ንኣስታት 3 ዓመታት ንሱዳን ከመሓድራ እዩ።

 

ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ ብ ሓይሊታት ንነጻነትን ለውጢን ምስቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንሲል ዝሓለፈ ሰሙን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘተ ድሕሪ ምግባር ንሓምዶክ ነዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕ ረቑሕዎ።

 

እዚ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይን ሰላም ንምስፋንን ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ፡፤

 

"ብቕኑዕ ራእይን ግቡ እ ፖሊሲን ተመሪሕና ነዚ ቁጠባዊ ቅልውላው ክንፍውሶ ኢን” ክብል ሓምዶክ ድሕሪ ቃል ማሕላ ምፍጻሙ ተዛሪቡ ኣሎ”።

 

ሓምዶክ፡ 20 ኣባልት ካቢኔ ንምምራጽ 21 መዓልቲ ተዋሂብዎ ኣሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ሚኒስትሪ ዉሽጢን ግና ብ ኣባላት ሉዑላዊ ባይቶ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት እዮም ክምረጹ።

 

ኣብ 1956 ኣብ ደቡብ ካብ ዞባ ማእከላይ ኮርዶፋን ዝተወልደ ሓምዶክ ከምኪኢላ ቁጠባን ተንታኒ ፖሊስን ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት መላእ ኣፍሪቃ ናይ 30 ዓመታት ተመኩሮ ስራሕ ዘለዎ እዩ።

 

ንሱ ናይ ፈለማ ዲግሩ ብ bachelor of science ካብ University of Khartoum ድሒሩ ድማ ካብ University of Manchester ኣብ ብሪጣኒያ ናይ ቁጠባ ብዶክትረይት ተማሂሩ።

 

ካብ 1981 ክሳብ 1987, ኣብ ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ቁጠባን ላዕለዋይ በዓል መዚ ድሕሪ ምግልጋል ኣብ ባንክ ልም ዓት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ትካል ስራሕን ብዝተፈላለዩ መዝነታት ኣገልጊሉ።

 

ኣብ መወዳእታ ካብ ሕዳር 2011 ኣትሒዙ ኣብ ዉሕሃ ኮሚሽን ቁጠባ ንኣፍሪቃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ሰሪሑ።

 

ምሻም ሓምዳን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን እቲ ሓዲሽ ንሱዳን ከመሓድራ ቆይሙ ዘሎ ባይቶ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ህዝቢ ክለዓልን ከምሳዕቤኑ ድማ ን ኣልበሺር ክዕሎ ዝቐሰበ  ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ  ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዓጢቑ ከምተላዕለ ዘመስክር እዩ፡፤

 

ሓምዶክ በዚ ሒዝዎ ዘሎ መዝነት ኣብ ሱዳን ንዘመናት ብዝጸንሐ ሕማቕ ምሕደራ ዝተፈጥረ ዝቕባበ ገንዘብን ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዎ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ንምፍታሕ ዓጢቑ ኣሎ።

 

ገለ ካብ ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት ሓደ፡ ሃገሩ ብ ኣመሪካ ዝተነብረ ናይ 20 ዓመታት ናይ ንግዲ ማዕቀብ ኣልዩ ምስ ኣህጉራዊ ቁጠባ ንምጽምባር እዩ። እቲ ማዕቀብ ብ 2017 እንተተላዕለ’ኳ ሱዳን ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ዝርዝር ሃገራት ሽበራ ሕጂውን ኣላ። ሱዳን እዚ እንተተኣሊዩላ፡ ኣህጉራዊያን ትካላት ፋይናንስ ዕዳኣ ክስረዘላ፡ ልቓሕ ክትረክብን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ክትስሕብን የኽእላ ማለትዩ፡፤

 

ተንተንቲ ከምዝእምትዎ ሓምዶክ ብዘለዎ ተመኹሮን፡ ምስብዙሓት ኣህጉራዊያን ትካላትን ሰባትን ዝምድና ሱዳን ካብቲ ናይ ኣመሪካ ዝርዝር ሽበራ ክትወጽእ ክሕግዛ እዩ፡ ናብ ከም በዓል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን IMF ንWorld Bankን ዝበሉ ትካላት ንስይ ምትእስሳር ተኽእሎ ዓቢ እዩ።.

 

"ኣብዚ ናይዛ ሃገርን ህዝቢን ታሪኽ ዝበርትዐ  መድረኽ ን ዶ/ር ዓብዱላ ሓምዶክ ዓወት ንምነየሉ፡ እዚ መድረኽ እዚ ሰውራዊ ህዝቢ ሱዳን ንቕድሚት ብተስፋ ዝጽበየሉ እዋን እዩ።" ብምባል እቲ ኣንጻር ኣልበሺር ኣብ ዝተገብረ ተቓዉሞ ዝመርሐ ማሕበር ኪኢላታት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፤

 

ነቲ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ቆንሲል ዝመርሕ ጀነራል ዓብዲል ፋታሕ ቡርሓን, ናይቲ ሉዑላዊ ባይቶ ኣቦ ወምበር ኮይኑውን ቃል ማሕላ ከምዝፈጸመ ብመንግስቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሱ ነቲ ሉዑላዊ ባይቶ ን 21 ኣዋርሕ ድሕሪ ምምራሕ ንዝተረፈ ናይ 18 ኣዋርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ክመርሕ ዝምረጽ ሲቪል ኣባል ከረክብ እዩ።

 

ወዲ 59 ጀነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን, ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ዳኛ ሓደ ኢዱ ኣብ መጽሓፍ ቁርኣን ጠቒዑ እዩ ሚሒሉ። እቶም ዝተረፉ 9 ኣባላት ሉኡላዊ ባይቶውን ድሕሪቲ ጀነራል ቃል ማሕላ ዝፈጸሙ ኮይኖም እቲ መበል 11 ኣባል ባይቶ ክምሕል ትጽቢት ኣሎ።

 

ብዘይካ’ቲ ኣቦ ወምበር ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ አል ቡርሃን, እቶም ዝተረፉኣባላት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሉኡላዊ ባይቶ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ምክትል ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ቆንስል ብ ሓመቲi ዝብል ስም ዝፍለጥ  ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ, ያሰር ዓብደሩሕማን ዓጣ, ኢብራሂም ጃቢር ከምኡውን ሻምስ አል ዲን ካባሺ እዮም።

News
Source: AP

እቶም 6 ሲቪል ኣባላት ሉኡላዊ ባይቶ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም ኮይኖም እዞም ዝስ ዕቡ እዮም፡ ዓይሻ ሙሳ ስዒድ ካብ ን ኡሳን ናይ ሱዳን ኮፕቲክ ክርስትያን ሱዳን ዝኾነት ራጃ ኒኮላ ዒሳ ዓብዱልመሲሕ,

ሓሰን ሸኽ ኢድሪስ ቓዲ, ኣል ሳዲቕ ታወር ካፊ, ሞሓመድ አል ፋቒ ሱለይማን ከምኡውን  ሞሓመድ ዑስማን ሓሰን አል ታየሺ እዮም።.

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now