SKIP TO MAIN CONTENT

ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመበል ሻድሻይ እዋን ዴሞክራሲያዊ መሰሉ ተጠቒሙ መራሕቱ ይመርጽ

SAFRICA VOTE RNF
Electoral commission agents start counting the votes in Wednesday May 8, 2019 general elections in Johannesburg, South Africa. Source: AP

ደቡብ አፍሪቃዊያን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ድምጺ ይህቡ ኣለዉ። ኣብዚ ምርጫ ብልሽውና፡ ቁጠባን ምሕደራ መሬትን ቀንዲ ዛዕባታት ፖሊሲ እዮም።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ደቡብ አፍሪቃዊያን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ድምጺ ይህቡ ኣለዉ። ኣብዚ ምርጫ ብልሽውና፡ ቁጠባን ምሕደራ መሬትን ቀንዲ ዛዕባታት ፖሊሲ እዮም።


ድሕሪ ምውዳቕ አፓርታይድ ካብቲ ብኔልሰን ማንደላ  ዝምራሕ አፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ [[ANC]] ስልጣን ምሓዙ 25 ዓመታት ሎሚ እቲ  ሰልፊ ዝበርትዐ ተቓዉሞ ገጢምዎ ዘሎ ምርጫ እዩ ዝግበር ዘሎ።

 ኣብዚ ንመበል ሻዱሻይ ግዜ ዝግበር ዘሎ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ህዝቢ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ብልሽውና፡ ቁጠባን ስእነት ስራሕን ኣብ ከቢድ ሓርቖት እዩ ወዲቑ ዘሎ።

 ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ሰንከልከል ወዲቑን ሃገራዊ ዕዳ ሰማይ ደይቡ ምህላውን ንዜጋታት እታ ሃገር የሻቕሎም ኣሎ። ስእነት ስራሕ ልዕሊ 27 ሚእታዊ ብምብጻሑ ሓደ ካብ ክልተ መንእሰያትን ልዕሊኡን ስራሕ የብሎምን።

ገለ ካብቶም ድምጾም ዝህቡ ዘለዉ በዚ ስርዓት ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ይገልጹ።

 [["እቲ ንደልዩ ዝገብር መንግስቲ እዩ ዘድልየና ዘሎ፤ ምኽንያቱ ድምጽና እንተዘይሂብና ሰባት ከምቲ ዝደልይዎ ክገብሩ ክንሃድጎም ኢና። ክንቃወም ኢና፤ ሕጂ ግና ድምጽና ኢና ንህብ ዘለና።

  [["ለውጢ ክመጽእ ንትስፎ። ሰልፊታት ፖለቲካ ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑ ኣለዎም፤ ህዝቢ ስራሕ ሲኢኑ የእዊ እዩ ዘሎ።

 እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ  ሰልፊ A-N-C ብህዝቢ ተቐባልነቱ እናጎደለ እዩ ከይዱ፡ ብፍላይ ብዙሓት ካብ መራሕቱ ብምጥፍፋእን ኣብዚ እታ ሃገር ቁተባዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ዘሎ እዋን ብግስሩጥ ምሕደራ ይኽሰሱ እዮም ዘለዉ።

 ፕረሲደንት ሲይሪል ራሞፎዛ ካብቲ ብብልሽውና ዝተቖማጥ ዐ ጃኮብ ዙማ እዩ ኣብ ታሕሳስ 2017 ስልጣን ተረኪቡ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናይቲ ሰልፊ እምነት ኣብ ህዝቢ ከዐርዮ ክፍትን ጸኒሑ ኣሎ፡፤

  [["ካብዚ ምርጫ እቲ ንጹር ሓላፍነት ንወስዶ ንኹሉ ዝማእከለ መስርሕ ም ዕባለ ቁጠባ ምርግጋጽ እዩ። በዚ ድማ ኢና ኣብ ሃገርና ናይዘለዉ ድኻታት ድምጺን ድልየትን ከነማልእ ንኽእል።

 ሰልፊታት  Democratic Alliance ን the Economic Freedom Fighters [[EFF]] ዝበሃሉ ሰልፊታት እዮም  A-N-C' ኣብዚ ምርጫ ዝብድህዎ ዘለዉ።

 ክልቲኦም ሰልፊታት ኣብታ ሃገር ሳዕሪሩ ዘሎ ብልሻውናን ፕረሲደን ራማፎዛ ድማ ነዚ ከዐርዮ ኣይከአለን ኢሎም እዮም ክጉስጉሱ ጸኒሖም።

 

ሰልፊ E-F-F ነቲ ካብ 1948 ክሳብ 1994 ብጸዓዱ ከምዝግብቱ ጌሩ ዘሎ ፖሊሲ መሬት ክቕይሮ እዩ ዝደሊ።

እቶም ዉሑዳይ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ብዘይምዕሩይ ብጽሒት ልዕሊ እቶም ብዙሃን ጸለምቲ እታ ሃገር መሬት ይውንኑ ኣለዉ፡፤

 መራሒ ሰልፊ EFF leader, ጁሊዮስ ማለማ ሰልፉ ክስ ዕር ምዃኑ ይትስፎ እንተኾነ ህዝቢ ንዝህቦ ድምጺ ከምዝቕበል ይዛረብ.

  [["ካብ ህዝብና  ዝኾነ ይኹን ቁጽሪ ድምጺ ንረኽቦ ብክልቲኡ ኢድና ክንቅበሎ ኢና፡፤  እዚ ግዴታ እዩ ዋላ ሃንቲ ድምጺውን ትቑጸር እያ ነዚ ኣውን ክንቅበላ ኢና ንኹሉ እቲ ዉጽኢት ክንቅበሎ ኢና እዚ እዩ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ  EFF.ዝፈልጦ"]]

 እቲ ካልእ አድመጽቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጉዳይ ሓፈሻዊ ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኣፍሪቃ እምነት ምስኣኖም እዩ፡፤ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ይመረጽ ለውጢ ከምዘይመጽእ ድማ ይኣምኑ።

ድምሳ ክስማዕ እትብህግ ሓንቲ ካብ ወሃብቲ ድምጺ ከምዚ ትብል

 [["ኣብዚ ሃገርና ዝኸውን ዘሎ ድምጽና ከነስም ዓሉ ንኽ እል እዚ ትራይ እዩ። ብዙሓት ሰባት ምሃብ ድምጺ አድላዪ ከምዘይኮነ ይ ኣምኑ፡ ምኽንያቱ ን 25 ዓመታት ኣብ ዲሞክራሲ ጸኒሕና እንተሎናኳ ዝተለወጠ ነገር የለን ስለዝብሉ እዩ፡፤ እንተኾነ እቲ ፕረሲደንት ድምጽኻ ተስም ዓሉ እንኮ መገዲ አብ መውሃቢ ድምጺ ከይድካ ድምጽኻ ብምሃብ እዩ።

ኣብዚ ምርጫ ል ዕሊ 26.7 ሚሊዮን ህዝቢ ድምጹ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበዝሐ ቁጽሪ እዩ፡፤

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now