“ናይ በዓል ዳዊት ኢሳቕ፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ስቓዮም ብኹሉ ቋንቋታት ስለዝተቓልሐ ናይ ኩልና ቃንዛ ብዙሓት ክፈልጥዎ ክኢሎም።”

Source: Supplied
ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ ዋና ኣካያዲን ኤዲተርን ፔን ኤርትራ፡ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ ደራሲን ተጣባቕን'ዩ። ምስ ንጥፈታት ፔን ኤርትራን ጎስጓስ ምፍታሕ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ጋዜጠኛታትን ምስ ኤስቢኤስ ትግርኛ ዕላል አካይዱ። ንተራ ማሕበራዊ መድረኻት/ሶሻል መድያ ኣብ ምቅላስን ምጉስጓስን ኣንጻር ሓደ ጸቓጢ ስርዓት ከምኡ'ውን ተራን ረብሓን ትዊተር ኣብ'ዚ መዳይ ርእይቶኡ ሂቡ።
Share




