ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ?

A/Prof Weldeabraha Niguse from the University of Melbourne

Source: YouTube

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ወልደኣብርሃ ንጉሰ ምሁር ስነዜጋን ስነምግባርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ'ዩ። ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንኣካታዒን ኣሰሓሓብን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ ውህደት ኢህወደግ፡ ነዚ ዝቃወም ዘሎ ህወሓትን ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ጉባኤን፡ ብሓፈሽኡ መጻኢ ዕድል ኢህወደግን ክንምልከት ኢና። ኣብ'ዚ ዕላል ዝተኻተቱ፡ * ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ? * እቶም ናይ ኢህወደግ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወዘተ ዝነበሩ ዓርሞሸሽ መሓውራትን ሃብትታትን መን ክወስዶም’ዩ? * ህወሓት ብደገፍ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ብኣጽዋርን ንብረትን ሓይሉ ክጸንሕ ኢሉ ሰሪሕሉ ድዩ? * "ብልዝብ ሓደ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ክኸይድ ይኽእል’ዩ፡ ማእከላይ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ምጉባጥ ስጉመቲ ኣብ ትግራይ ዘይወሰደ ናይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ግብረመልሲ ስግኣት ስለዘለዎ’ዩ፡" * ናይ ህላወ ሕቶ ኣብ ዝዕብልለሉ እዋን ነቲ ፖለቲካዊ ባይታ ኣየጽብቦን ዶ? እቶም ፍሉይ ሓሳብ ዘለዎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክስምዑ ይኽእሉ ዶ? “ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ራዲካላዊ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተቐባልነት የብሉን። ምናልባት ብውልቆም ደረጃ’ዮም እምበር ዘንጸባርቕዎ ዘለው እቲ ድሌት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንዕኡ ደጊፉ ጠጠው ዝብል ማሕበራዊ መሰረት የለን።”



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service