ትሰርሕሉ ሞያ ክትቅይሩ መደብ ኣለኩም ዶ? ኣብ ግምት ከትእትውዎም ትክእሉ ገለ ምኽርን ኣማራጺታትን፡

Australia Explained - Career Change

Today's average worker could change careers several times in their lifetime. Credit: John Lamb/Getty Images

ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ናብ ሓድሽ ሞያ ክቕይር ዝደሊ ። ዕድመኻ ፡ ኣተዓባብያኻ ፡ናይ እንግሊዝኛ ምልከት ቋንቋኻ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሞያኻ ምቕያር ዳርጋ ዘይተርፍ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ በቲ መስርሕ ክትሓልፍ ደገፍ ምርካብ ይከኣል እዩ ።


ናብ ሓድሽ ሞያ ምቕያር ከቢድን ኣጨንእቕን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ፡ ሓድሽ ዕድላት እውን ክኸፍተልካ ከም ዝኽእል ፡ ክኢላታት ይገልጹ እዮም ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ዓይነት ስራሕ ምቅይያር ልሙድ እዩ ። ብመሰረት እዋናዊ ሓበሬታ ABS ፡ ካብ 20 ለካቲት24 ክሳዕ ለካቲት 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰራሕተኛታት ስራሕ ቀዪሮም እዮም ።

ኣብ 2024 እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ ብዛዕባ ሞያ ምቕያር ቅኑዕ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይነበረ ፡ ሓደ ካብ ክልተ ሰብ ኣብ ኣውስትራልያ ስራሕ ክቕይር ፍቓደኛ እዩ ነይሩ ።

ኣሰልጣኒ ስራሕ ኣሊስ ቸንግ ፡ "ናይ ሞያ ምቕያር ኣዝዩ ልሙድ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ" ።

Australia Explained - Career Change
Has the term ‘portfolio career’ appeared on your LinkedIn feed? It’s when you have multiple jobs and revenue streams at the same time. Credit: Delmaine Donson/Getty Images

ሓደ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ንዝርከብ ሰብ ፡ ሓድሽ ሞያ ክመርጽ ባህርያዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ሞያ ኣብ ምህናጽን ዝያዳ ኣየናይ መገዱ ኺፈልጥን ይኽእል እዩ ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህይወት ዝርከቡ ሰባት: እንተ ደልዮም ንክቕይሩ እተዓጥቁ ምዃኖም ሚስ ቸንግ ትገልጽ ።

"ኣብ 40ታት ዕድመ እንተሊኻ ፡ እንታይ ከም እትደልዪ ትፈልጠሉ፡ ድልዱል ጎድንኻን እንታይ ከምዘበርትዓካን ተረዲእካ ምትእምማን ዘዕበኻሉ ዕድመ እዩ።

"ኣብ 50ታት ዕድመኻ ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመታት ናይ ሞያኻ ገጽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ መጠን ፡ እዚ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ክትቅጽሎ ወይ ኣብ ዝቕጽል 10-15 ዓመታት እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ እትውስነሉ እዋን እዩ ።"

ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንዝነብሩ ሓደሽቲ ስደተኛታት/ ገዓዝቲ ኣብ ሓደሓደ ዕማም ዘድሊ ናይ ኸባቢ ተሞክሮ ዘይክህልዎም ይኽእል ።

ሓድሽ ሞያ ሙሉእ ብሙሉእ ትማሃር እንተዘይኾይንካ ግን ብኸፊል ወይ ብምሉእ ካብቲ ዘሎካ ትምህርትን ተሞክሮን ብኽፍሊት ወይ ብዘይክፍሊት ናብ ስራሕ ከተውዕሎ ወይ ከተስግሮ ከምትኽእል ሕሰብ።

"'ድልዱል ጎድነይ እንታይ እዩ ?' ኢልካ ሕሰብ፡ ምስ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሐ ኣመልካቲ ብምንጽጻር ፡ ካልእ እንታይ ሓድሽ ከምጽእ እኽእል ? 'ድሕሪኡ ፡ኣብቲ ረዙዩመኻ ይኹን ኣብ ቃለ መሕትት ናይ ስራሕ ብርእሰ ምትእምማን ገዛእ ርእስኻ ግለጽ/ ሸጥ ፣" ' ኣይፋል ዝብል መልሲ እንተ ረኺብካ'ውን ፡ ኣይትፍራሕ ።" ትብል ሚስ ቸንግ ፡

ምናልባት ንላዛ ኣዘራርባኻ (accent) ከም ዓቢ ጸገም ትሓስቦ እንተ ኣሊኻ ድማ ፡ ምኽራ ሓድሽ መገዲ ኣብ ምሕታት ጥራይ ከተተኵር እዩ ።

ካብቶም እንግሊዝኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝኾኑ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዘሰልጠንክዎም ሰባት ፡ እንግሊዝኛ እቲ ዓንቃፊኦም ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ፣ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ጥራይ እዩ ።
Alice Cheng

ንሳ ከምዝበለቶ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዝበዝሑ ሰባት ዝዛረብዎ ቋንቋ እንግሊዝና ለሃጃ ኣለዎም ።

Australia Explained - Career Change
People of all life stages are equipped to make a career move if they want to. Credit: sturti/Getty Images

ናብ ሓዱሽ መንገዲ ስራሕ ንምቕያር ፤ ናይ ሞያ ትምህርቲን ናይ ኢንዱስትሪ ስራሕ ኣንፈት ንምርካብ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ መረዳእታ ደገፍ ንምርካብን ፤ ብናትካ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ መንግስቲ መርበባት ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል፡

Victoria

Western Australia

New South Wales

Queensland

Tasmania

Northern Territory

Australian Capital Territory

South Australia

ናብዚ መርበብ ሓበሬታ፥ workforceaustralia.gov.au ብምብጻሕ ነቲ Job Switch tool ዝብል ተጠቒምካ ምስ ዘለካ ክእለትን ሞያን ኣማራጺታት ስራሕ ምርኣይ ይከኣል እዩ።

ዕድሜኻ 45 ወይ ልዕሊኡን እንተኾይኑ ኣብ Career Transition Assistance program. ብጽሑ።

ከም ቪክቶርያን ዌስት ኣውስትራልያን ዝኣመሰሉ ገለ ናይ ምምሕዳር ከባቢታት ፤ ሓደ- ማእከል ብናጻ ሞያ ፤ ስልጠናታትን ናይ ስራሕ ሓገዝን ኣለዎም ።

ክሬግ ሮበርትሰን ዋና ጸሓፊ ናይ ቪክቶሪያ በዓል መዚ ክእለት (the Victorian Skills Authority/ VSA) እዩ ።

VSA ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ ማእከላት TAFE ፡ ዝተፈላለየ ናይ ክእለት ስልጠናታትን የካይድ ።

ሚስተር ሮበርትሰን ፡ "እዚ ንኹሉ ክፉት እዩ ።" ኢሉ።

"ኣብ ማሕበረሰብ ስለ ዝሰርሑ ድማ ኣብ 'ቲ ዞባ ብዛዕባ ስራሕ ጽቡቕ ርድኢት ኣለዎም ፡ ከምኡ' ውን ነጻ ናይ ስራሕ ዕድላት ምኽሪ ክህቡ ዝኽእሉ ሞያውያን ኣማኸርቲ ኣለዉ።"

ሚስተር ሮበርትሰን፥ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ዕዳጋ ሽቕለት ሓሳብ ክህልወካ ነዚ ዝስዕብ ናይ ኦንላይን መሳርሒ ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ yourcareer.gov.au.

" እዚ ናይ ኦንላይን ፡ ብዛዕባ ሞያኻ ክትቅይር እትሓስበሉ ብዙሕ ሕቶታት ኸተቕርብ ትኽእል ኢኻ "በለ ።

ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ክመልሶም እዩ ፡ -

  • ካብ ዝህልዉ ዕድላት ስራሕ እንታይ ትጽቢታት ኣለዉ? 
  • ዝህብዎ ደሞዝ ክንደይ እዩ? 
  • ካብዞም ዘለዉ ዕድላት ስራሕ ንምርካብ ክሕግዘካ ዝኽእል ስልጠና እንታይ እዩ ?
Australia Explained - Career Change
Staying at home during the COVID-19 pandemic made many reflect on whether their work aligned to their values, well-being and lifestyle goals. Source: Moment RF / Oscar Wong/Getty Images

ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ንምዃን ብናይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (artificial intelligence) ስልጠና ምውሳድ ኣብ ግምት ምእታው።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ቤት ትምህርቲ ንግዲ ፡ ላዕለዋይ መምህር ዝዀነት ዶክተር ካሮሊን ናይት ፡ "ኢንዱትሪታት ፡ ብፍላይ ናይ AI ዘለዎም ሰባት እዮም ዝደልዩ" በለት ።

ብመሰረት Dr Knight ናይ ዝተፈላለየ ሞያ (ሃይብሪድ) ስራሕ "ውን ቀጻልነት ኣለዎ ።

ቴክኖሎጂን ውሕስነትን ብኸመይ ከምዝተመሓየሸ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ካብ ገዛ ብቐሊሉ ክንሰርሕ ንኽእል ኮይና ኣለና።
Dr Caroline Knight

እቶም ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ዝሰርሑ እውን ፡ ካብዚ እተፈልየ እዩ ።

"እንተዀነ ግን: ኣብ መብዛሕትአን ኢንዱስትሪታት: ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ካብ ቤት ኮይኖም ኽዓዩ ዝኽእሉሉ መገዲ ኣሎ" በለ ት።

Australia Explained - Career Change
A constant sense of fatigue and losing interest in your work can be signs of burnout. Credit: Westend61/Getty Images

ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ሓላፍነት ወሲዱ፡ ሓድሽ ብድሆታትን ዓስብን ንምርካብ ስራሕ ወይ ሞያ ክቕይር ዝውስን ።

ገሊኦም ሰባት ካብ ኣሉታዊ ኵነታት ስርሖም ፡ ካብ ሕማቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ፡ ወይ ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ ሓድሽ ስራሕ ክጅምሩ ይደልዩ እዮም ።

እቲ ቅኑዕ ግዜ ምስበጽሐ ጥራይ ኢኻ ምቕያር ስራሕ ዘድሊ እንተ ኰይኑ ኽትግምግሞ እትኽእል ።

ሓድሓደ ግዜ ፡ ፈለማ ምስ ሓላፊኻ ኽትዘራረብን ብዛዕባ ዘጋጥመካ ጕዳያት ኽትመያየጥን ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

" ኣመና ስለ ዝተሓለልካን ፡ ነቲ ሃዋህው ክትጻወሮ ብዘይምኽኣልካ ካብቲ እተፍቅሮ ሞያ ክትወጽእ ፡ ዘሕፍር ክኸውን ይኽእል እዩ ።

"ነቲ ስራሕ ከም ዘይትበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ ግን ፡ ካብቲ ስራሕ ክትውጽእ ግን ጽቡቕ ዉሳነ እዩ ።"

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now