ኣርእስታት ዜና፡ ኣብቲ ናይ ዉሕሃ ጉባኤ ክሊማ ንምስታፍ ናይ 60 ሃገራት መራሕቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣትዮም። ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ናይ ሕብረት መንግስቲ ክቐውም ጸዊዑ። ኢራን ኣብ ፐሪሽያዊ መጻብቦ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ንምህናጽ ዝመደበቶ መደብ ክትገልጾ እያ። ናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዕዲ ዓረብ ዓደል አል ጁቤር፡ ሃገሩ ምስ ኢራን ኩናት ክትጅምር ከምዘይትደልን ገዛእ ርእሳ ግና ክትከላኸል ከምትኽ እልን ኣፍሊጡ። ምብጻሕ ኣብ ባስልዮስ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ተቓዉሞ ኣልዒሉ።
Share






