ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ካናዳ ንኽኣትዉ እንታይ ክግበር ይከኣል?

Source: Tuku and Dawit
ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራዊያንን ማሕበረሰብ ኣይሁድን፡ ንመንግስቲ ካናዳ ጸቕጢ ብምግባር ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምቕባልን፡ ንመንግስቲ እስራኤል ድማ ጸቕጢ ንምግባርን ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ጉዳይ ብንጥፈት ምስዝዋስኡ ዘለዉ ኣቶ ትኩእ ተስፋይን ዳዊት ደሞዝን፡ ናብ ካናዳ ንምእታው ብወገን ተቐበልቲ (ስፖንሰራት)ን ኣብ እስራኤል ዝነብሩ እንታይ እዩ ዝድለ? ሕጊታት ኢሚግራሺን ካናዳ ምስዚ ጉዳይ እንታይ ይመስል? ገንዘብ ከፊልካ ቪዛ ንምርካብ ዘሎ ቅኑዕ መስርሕን ምትላልን እንታይ ይመስል? ዝብሉን ካልእን ሕቶታት መሊሶም ኣለዉ።
Share