ጸብጻብ ዜናታት (21/11/2019) * ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓትን ኣጠቓቕማ ወደብን ዝምልከት ስምምዕ ክኽትማ መደብ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። * ህወሓት ንመፀዋዕታ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ነፂጉዎ። * ኤርትራ: ብዞባ ደቡብ ዝኣተወ ዕስለ አንበጣ ኣብ ኣእካልን ኣግራብን መጥቃዕቲ ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓለቶ ኣፍሊጣ። * 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመዝገበሉ ሕቶ ክልል ሲዳማ ትማሊ ረቡዕ ህዝበ ውሳኔ ተደሚፁሉ። * ኣብ ኤርትራ ትርከብ መደበር ፈልሲ ገረሰት፣ ካብ ኤርትራ ወፃኢ ይኣትዉ ንዝነበሩ ፈልስታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተኪኣ ጠለባት ህዝቢ ትምልስ ከም ዘላ ተገሊጹ።
Share






