SKIP TO MAIN CONTENT

ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዝተኣንገዱሉ ኣውህጉራዊ ዋዕላ

SBS
SBS Source: SBS

መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ - ፍኖት መጻኢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣስመራ - ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ዝተስላሰለ ዋዕላ ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለያ ዩንቨርሲቲታት ዝመጹ ምሁራን ዝርከብዎም ልዕሊ 450 ሰባት ተሳቲፈሞ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዋዕላ፡ ናይ መዛተዪ ባይታ ፈጢርካ፡ ምስ መጽናዕቲታት ኤርትራ ዝሰማማዕ ሓሳባት፡ ርእይቶታት፡ ጠመተታት፡ ኣተኲሮታትን ኣዘናትዋታትን ብዝግባእ ከምዝበርህ፡ ከምዝዝተየሉን ዘድሊ ክትዓት ከምዝካየደሉን ንምግባር ምዃኑ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣህጉራዊ ዋዕላ መጽናዕቲታት ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ዘመንፈስ ጽገ ሓቢሩ። ፕሮፌሰር ዘመንፈስ ብምቕጻል እቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ነቶም ንኤርትራ ዝምልከት መጽናዕቲ ከካይዱ ዝደልዩ ምሁራት፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጡን ኣብ ቀጻሊ ድማ ተሳትፍኦም ዘሐይልሉ ኣጋጣሚ ምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ዋዕላ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡን ካብ ወጻኢ ዝመጹን ምሁራትን ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።

Published

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ - ፍኖት መጻኢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣስመራ - ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ዝተስላሰለ ዋዕላ ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለያ ዩንቨርሲቲታት ዝመጹ ምሁራን ዝርከብዎም ልዕሊ 450 ሰባት ተሳቲፈሞ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዋዕላ፡ ናይ መዛተዪ ባይታ ፈጢርካ፡ ምስ መጽናዕቲታት ኤርትራ ዝሰማማዕ ሓሳባት፡ ርእይቶታት፡ ጠመተታት፡ ኣተኲሮታትን ኣዘናትዋታትን ብዝግባእ ከምዝበርህ፡ ከምዝዝተየሉን ዘድሊ ክትዓት ከምዝካየደሉን ንምግባር ምዃኑ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣህጉራዊ ዋዕላ መጽናዕቲታት ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ዘመንፈስ ጽገ ሓቢሩ። ፕሮፌሰር ዘመንፈስ ብምቕጻል እቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ነቶም ንኤርትራ ዝምልከት መጽናዕቲ ከካይዱ ዝደልዩ ምሁራት፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጡን ኣብ ቀጻሊ ድማ ተሳትፍኦም ዘሐይልሉ ኣጋጣሚ ምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ዋዕላ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡን ካብ ወጻኢ ዝመጹን ምሁራትን ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now