ቱርኪ ንነዊሕ እዋን ከተፋራርሓሉ ዝጸንሐት ንሓይልታት ኩርዲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣት ሶርያ ክትገብር ምድላዋት ጀሚራ። ኣሜሪካ ወተሃደራታ ካብ'ቲ ዞባ ከተውጽእ ምዃና ምስ ኣፍለጠት'ያ ቱርኪ ብኡ ንብኡ ወተሃደራዊ ሓይልታታ ናብ ዶብ ሶርያ ኣምሪሓ ዘላ። ዓበይቲ መኻይን ኣምቡላንሳትን ወተሃደራትን ናብ ዶብ ሶርያ ይምርሹ ኣለው። እዚ ንብዙሓት ኣብ ስግኣት ኣውሪዱ ዘሎ ስጉምቲ ዝመጸ ፕረዚደንት አሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ'ዚ ሰሙን ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ'ቲ ከባቢ ከወጹ ምዃኖም ብዕሊ ምስ ገለጸ'ዩ።
Share






