“ፈይስቡክ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራልያ ዜናዊ ትሕዝቶታት ምውጻእን ምቅብባልን ዓጽይዎ ኣሎ። ናይ’ዚ ውጽኢት ከኣ ካባና ዜና ከይመጸኩም ወይ ከይትርእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዜናታትናን ትሕዝቶታትናን ክትረኽብዎም እምበኣር ብኽብረትኩም ናብ መርበብ ሓበሬታና (sbs.com.au/Tigrinya) ኪዱ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታና ከኣ ቡክማርክ ግበርዎ። ኣብ መኽዘን ኣፕስቶር (app Store) ብምኻድ’ውን ኤስቢኤስ ሬድዮ ኣፕ (SBS Radio app) ኢልኩም ደሊኹም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።” ስለ'ዚ ትሕዝቶ መደባት ኤስቢኤስ ትግርኛ ይኹን ካልኦት ቋንቋታት ኣብ መርበብ ወይ ኦንላይን ይኹን ኣብ ሬድዮ ወይ ፖድካስት በዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው መንገድታት ኣብ ዝደለኹሞ እዋን ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ሬድዮን ዲጂታል ቴሌቪዥንን ኣብ ኣውስትራልያ መደባት ኤስቢኤስ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ SBS Radio1, SBS Radio2 and SBS Radio3 ክስምዑ ይኽእሉ፡ ኩሎም ቋንቋታት ዝስምዑሎም መዓልታትን ሰዓታትን ከኣ ኣብ'ዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
መርበባት ሓበሬታትና ዜናታትን ሓበሬታታትን ኣብ ነናተን ገጽ ብ68 ቋንቋታት የውጽኣ። ናብ sbs.com.au/language ብምኻድ እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ቋንቋ ንዓኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ጥዕና ብዛዕባ ኮቪድ-19 ከኣ ብ63 ቋንቋታት ዝተጻሕፈን ዝቐረበን ኣብ sbs.com.au/coronavirus ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ብቐጥታ ክትሰምዕዎም ዘይከኣልኩም ወይ ከኣ ኩሎም ዝሓለፉኹም መደባት ብመንገዲ ፖድካስት'ውን ክትሰምዕዎም ትኽእሉ ኢኹም። ኩሎም ፖድካስታት መደባት ቋንቋታት፡ እዋናውያን ዜናታት፡ ዛንታታት ማሕበረሰባትን ዘዘናግዑ ትሕዝቶታትን ብነጻ ኣብ SBS Radio app ወይ ከኣ ኣብ'ቲ እትመርጽዎ ፖድካስት ዝዝርጋሓሉ ወይ እትሰምዕሉ መድረኻት (ጉግል፡ ኣፕል፡ ስፖቲፋይ፡ ወዘተ) ተቐሚጦምልኩም ኣለው።
መርበብ ሓበሬታ ኤስቢኤስ ትግርኛ፡ Tigrinya (ትግርኛ)
ኤስቢኤስ ትግርኛ ኣብ ትዊተር፡ https://twitter.com/STigrinya





