ኣብ ሬድዮን ዲጂታል ቴሌቪዥንን ኣብ ኣውስትራልያ መደባት ኤስቢኤስ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ SBS Radio1, SBS Radio2 and SBS Radio3 ክስምዑ ይኽእሉ፡ ኩሎም ቋንቋታት ዝስምዑሎም መዓልታትን ሰዓታትን ከኣ ኣብ'ዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
መርበባት ሓበሬታትና ዜናታትን ሓበሬታታትን ኣብ ነናተን ገጽ ብ68 ቋንቋታት የውጽኣ። ናብ sbs.com.au/language ብምኻድ እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ቋንቋ ንዓኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ብቐጥታ ክትሰምዕዎም ዘይከኣልኩም ወይ ከኣ ኩሎም ዝሓለፉኹም መደባት ብመንገዲ ፖድካስት'ውን ክትሰምዕዎም ትኽእሉ ኢኹም። ኩሎም ፖድካስታት መደባት ቋንቋታት፡ እዋናውያን ዜናታት፡ ዛንታታት ማሕበረሰባትን ዘዘናግዑ ትሕዝቶታትን ብነጻ ኣብ SBS Radio app ወይ ከኣ ኣብ'ቲ እትመርጽዎ ፖድካስት ዝዝርጋሓሉ ወይ እትሰምዕሉ መድረኻት (ጉግል፡ ኣፕል፡ ስፖቲፋይ፡ ወዘተ) ተቐሚጦምልኩም ኣለው።