ቪዛታት ንዝሓዙ ሰባት ኮሮናቫይረስ እንታይ ይጸልዎም?

Source: AAP
ልዕሊ 120 ምድባት ቪዛ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለው። ሚልዮናት ቪዛ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ቀረባ መጻኢኦም ተሻቒሎም ወይ ከኣ ተደናጊሮም ኣለው። እዚኦም ከም በዓል ቦርሶኦም ተሰኪሞም ንስራሕን ምዝዋርን ዝኸዱ/Backpackingን ምብጻሕ ዝፍጽሙ/Visting ቪዛን፡ ተመሃሮን ሰልጠንትን፡ ቤተሰብን መጻምድን፡ ሰራሕተኛታትን ሞያተኛታትን፡ ስደተኛታትን ብሰብኣዊ ኩነታት ዝረኣዩን፡ መሰጋገሪ/ብሪጂንን ዝተሰረዘ ቪዛን፡ ካልኦት ብዙሓትን የካትቱ፡ ንዜጋታት ኒውዚላንድ ዝወሃቡ ቪዛታት’ውን ኣብ’ዚ እትዋት’ዮም። ኤስቢኤስ እዋናዊ መንግስታዊ ሓበሬታን ነዞም ሰብ ቪዛ ዝወሃቦም ደገፍን የቕርብ።
Share