ኣገልግሎት ሕጋዊ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራሊያ:

Australia Explained - Womens Legal

Women’s legal services ensure that women can access support when they need it most. Credit: Maskot/Getty Images/Maskot

ኣብ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ገንዘባዊ ዘይማዕርነትን ፣ ገለ ካብቲ ደቂ-ኣንስትዮ ርእሱ ዝኸኣለ ሕጋዊ ኣገልግሎት ዝደልያሉ ምኽንያታት እዩ ። ነቲ ሕጋዊ ኣገባብ በይንኻ ክትምርምሮ ኣየድልን እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ንመጥቃዕቲ ዝወርደን ደቂ ኣንስትዮ ድሕንነት ብሕልዉ ፣ ምስጢራውን ባህላውን መንገዲ ዝድገፍን ናይ ናጻ ሕጊ ኣገልግሎታት ኣሎ ።


መብዛሕትኡ ሰብ ንሕጋዊ ስርዓት ኣውስትራሊያ ክፈልጦን ክረኽቦን ኣጸጋሚ እዩ ። ንደቂ ኣንስትዮ ፡ እቲ ብድሆታት ዝዓበየ እዩ ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝበዝሐ ሕጋዊ ደገፍ ዝደልያ ጥራይ ዘይኰናስ ፡ ናብኡ ንኸይበጽሓ ተወሳኺ ዕንቅፋት ዘጋጥመን እዩ ።

ነዚ ብድሆታት ንምፍታሕ ፍሉያት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕጋዊ ኣገልግሎታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ደገፍ ክረኽባ ከምዝኽእላ የረጋግጹ ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕጋዊ ኣገልግሎት ኣውስትራሊያ ፈጻሚት ስራሕ ዝኾነት ኣድሪያን ዋልተርስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈላለየ ሕጋዊ ፀገማት ከምዘጋጥመን ትዛረብ ።

"ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዓመጽን ኣድልዎን ድማ ኢና ዝያዳ እንሳቐ ። ስለዚ ደቂ-ኣነስትዮ ብዝለዓለ መጠን ዘቤታዊ ፣ ስድራቤታዊን ወሲባዊ ዓመጽን የጋጥመን ። ቀንዲ ኣለይቲ ቘልዑ ናይ ምዃን ዕድልና ዝዓበየ እዩ ። ብዙሕ ኣታዊ ስለ ዘይንረክብ ፡ ብዙሕ ንብረት የብልናን "በለት ።

ናይ ሕጊ ጸገም እንተሃልዩካን ናይ ጠበቓ ዓቕሚ እንተዘይብልካን ፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕጋዊ ኣገልግሎት ኣብ መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ተሪቶሪ ፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ኣገልግሎት ይህብ ።

ክሕግዙኺ እንተዘይኺኢሎም ናብ ካልእ ኣገልግሎታት ክመርሑኺ እዮም ።

Australia Explained - Womens Legal
ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሕጋዊ ጸገም የጋጥመን። Credit: filadendron/Getty Images

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕጋዊ ኣገልግሎት ቆጸራታት የቕርብ ከምኡ "ውን ከም ናይ ስድራቤት ጐንጺ ትእዛዛትን ናይ ስድራቤት ሕጋዊ ምስሕሓብን ንዝኣመሰሉ ጉዳያት ጠበቓ ምሳኹም ኣብ ቤት-ፍርዲ ንክቐርብ ይገብር ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ኣንስቲ ናይ ኦንላይን ሓገዝ ክረኽባ ይኽእላ እየን ።

እቲ ኣገልግሎት ብናጻ ይኸውን ከምኡ "ውን ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ውሕስነትን ምስጢራውን ደገፍ የረጋግጽ ።

ሚስ ዋልተርስ ፡ "ብሓፈሻኡ ፡ ንጾታዊ ዓመጻን ንህጻናትን ዝምልከት ፀገማት ሕጊ ስድራ ቤት ፡ መጥቃዕቲ ስድራ ቤት ፡ ምላሽ ንህብ ኢና" በለት ። እንተኾነ ግን ብዙሕ እንህቦ ኣገልግሎታት ፍሉይ ናይ ኢሚግሬሽን ፕሮግራማት እውን ኣለዎ "ትብል ።

ነተን ካብ ዓመጽ ንምምላጥ ዝጽዕራ ብ ግዜያዊ ቪዛ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ኣብ ኣዝዩ እተሓላለኸ ናይ ኢሚግሪሽን፡ ኣብ ሕጊ ስድራ ቤት ፡ ኣብ ስድራቤታዊ ዓመጽ ዝምርኰስ ሓገዝ ንሕግዘን ኣለና ።
Adrianne Walters

ከምኡ "ውን ብዙሓት ናይ ደገፍ ሰራሕተኛታት ንፍሉይ ኣገልግሎታት ቀዳሞት ህዝብታትን ንጉዳያት ስራሕ ዝምልከአት ኣገልግሎታትን ሓገዝን ክህቡ ይኽእሉ እዮም ።

ኣብ ስራሕ ጌጋ ከጋጥም ከሎ ፡ ኣብ ስራሕ ንዜጋጥም ናይ ስራሕ መሰል ንምድህሳስ ሕጋዊ መገድታት ንምርካብ ኣሰንባዲ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ስራሕ ንዚርከባ ኣንስቲ ንምድጋፍ ተባሂሉ እተዳለወ እተወሰነ ኣገልግሎት ኣሎ ።

ማእከላት ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣነስትዮ (Working Women's Centres/ WWC)  ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ብዘይኽፍሊት ብናጻን ብምስጢርን ሕጋዊ ምኽሪ የቕርብ ። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ጾታዊ ዓመጽ ፣ ኣድልዎ ወይ ዘይፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ምስጓግ እንተኣጋጢሙኪ ፤ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ WWC ብምብጻሕ ዘለኪ መሰላትን መማረጺታት ምርዳእ ይኽእል እዩ ።

Australia Explained - Womens Legal
Working Women's Centres operate across Australia, offering free and confidential legal advice. Credit: JohnnyGreig/Getty Images

ኣብ ማእከል ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ናይ ምስራሕን ጥብቅናን ፖሊሲን ሓላፊት ዝኾነት ኤርያ ፋርድስ ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ፍሉይ ተሞክሮ ስለዘለወን ፡ ዕሙቕ ዝበለ መልስታት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ትብል ።

"ማእከላት ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ፡ ነተን ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ዘይኮና ኣንስትን ናይ ክልቲኡ ጾታ ዘለወን ሰራሕተኛታትን ፡ ኣብቲ ማሕበር ክጽንበራን ሕጋዊ ምኽሪ ኺረኽባን ዕድል ዘይረኽባ ከም ውሑስ መዕቆቢ ዝዀነ መማረጺ እዩ ።"

ስደተኛ ፣ ወይ ካብ ቀዳሞት ህዝብታት ሰራሕተኛ እንተኾይንካ ድማ ናይ ስራሕ ጉዳያት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል ።

"ብዙሓት ካብተን በቲ ማእከላት ኣቢለን ዝመጻ ኣንስቲ ፡ ካብ ኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ዝኽፈለን ፡ ካብ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝመጻ እየን ። እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘዛረባና ጕዳያት ፡ ብርእሱ ክፍታሕ ዝግባእ ጉዳይ ብምዃኑ ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ እዩ "በለት ።

እታ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙዋ ናብ ማእከልና ዝመጸት ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብምዝራባ ተሰጒጓ ወይ ካብ ስራሕ ዝተሰጎት ክትከውን ትኽእል እያ: ወይ እውን ስርቂ ናይ ደሞዝ ኣጋጢምወን ክኸውን ይኽእል እዩ ።
Aira Firdaus

ከምኡ 'ውን ናትኪ ማእከል ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ (WWC) ምስ ካልኦት ከም መንበሪ ገዛን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዝኣመሰሉ ደገፋት ከተተኣሳስረኪ ይኽእል እዩ።

ድሕረባይታአን ስደተኛታትን ዕቁባት ስደተኛታትን ዝኾና ደቂ-ኣነስትዮ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ዝፍትናሉ እዋን ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስደት ውሕስነት ፡ ገንዘባዊ ጸቕጢ ወይ ስድራቤታዊ ዓመጽ ፡ ተወሳኺ መሰናኽል የጋጥመን ።

ሚስ ዋልተርስ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ፡ ንስርዓተ ፍልሰት ክምርምር ዝኽእል ማእከላት ሕጋዊ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ትገልጽ ።

"ዓመጽ ኣብ ዘጋጥመን ብግዜያዊ ቪዛ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምዕያይ እዮም ዘተኵሩ ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሕጊ ስድራ ቤትን ካልእ ሕጋዊ ጕዳያትን ዘሎ ስርዓት ቪዛ ኣብ ምድህሳስ እውን ሓገዝ የበርክት እዩ ፣ በዚ ከምዚ ከኣ ፡ ነቲ ኣመጽ ዝመልኦ ሓዳር ብሰላም ኪፋትሓ ይሕግዝ ።"

Touch Women’s Legal Centre ብመንግስታት ኮመን ወልዝን ቪክቶርያን ዝምወል እዩ ። እዚ ናይ ማሕበረሰብ ሕጋዊ ኣገልግሎት እዩ ብፍላይ ኣብ ቪክቶሪያ ንዝነብሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ደቂ ኣንስትዮ ዝድግፍ እዩ።

"ንስደተኛታትን ዕቁባት ደቂ ኣንስትዮን ዓቢ ዕንቅፋት ዝኸውን ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ሕጋዊ ስርዓት ዘይምርዳእን ናይ መንግስቲ ትካላትናን ኣገባብ ኣሰራርሓናን ዘይምርዳእን እዩ" ትብል ፕሪንሲፓል ተበቓ ኣጅሰላ ሲስኮቪች ።

"ሲሶ ካብ ዓማዊልና ድማ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንታሕቲ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ ምኳኖም ዘገርም ኣይኰነን "በለት ።

ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ቋንቋ ጸገም: ሕጋዊ ውክልና ምርካብ ከኣ ዝያዳ ዝኸበደ ይኸውን ።

Australia Explained - Womens Legal
Migrant and refugee women face additional barriers when seeking legal representation . Source: Moment RF / Kawee Srital-on/Getty Images

ኣብ 'ቲ inTouch Women’s Legal Centre ብናጻ ብዝተፈላለዩ ቋንቋ ፣ ብባህሊ ግቡእ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን ይዳለው ከምኡ' ውን ኣብ ስድራቤት መጥቃዕቲ ፣ ሕጊ ስድራቤትን ፍልሰትን ናይ ዉክልና ደገፍ ከምዝህብ ሚስ ሲኮቪክ ትገልጽ ።

"ኣብ ኣውስትራሊያ ምስ ናይ ስድራ ቤታዊ ዓመጽ ዝተሓሓዝ ግብረመልሲ ዝህብ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምሃብ ናይ መጀመርያ ብዙሕ ስራሓት ንህብ ኢና ።"

ኣብ ቪክቶሪያ ትነብራ እንተኾይንክን ፣ ሓገዝ ንኽትረክባ ይፍቐደልክን እንተኾይኑ ንምርኣይ ን inTouch ተወከሳ ።

ሚስ ዋልተርስ ኣብ ሕጋዊ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቡ ጠበቓታት ፡ ቋንቋ ጸገም ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ እውን እተዓጥቁ ምዃኖም ትገልጽ ።

"ኣብ ቆጸራኹም ንኽሕግዘኩም ወይ ኣብ ቤት-ፍርዲ ንኽሕግዘኩም ፡ ተርጓሚ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ። ከምኡ "ውን ኣታዊ ምስዘይህልወክን ኣገልግሎት ምትርጓም ብናጻ ኣገልግሎት ክትረኽባሉ እትኽእላሉ መንገዲ ኣሎ ።"

Women's Legal Services (state or territory)

Working Women's Centre Australia (state or territory) or phone the listed 1800 number

inTouch Women’s Legal Centre (Victoria only) or phone 1800 755 988 

Regional and remote areas

Support is available in person, online or by phone through Community Legal Centres or the Legal Aid commissions listed below: 

Legal Aid ACT

Legal Aid NSW

Legal Aid NT

Legal Aid Queensland

Legal Services Commission SA

Tasmania Legal Aid

Victoria Legal Aid

Legal Aid WA

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now