ንትምህርቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 51 ዓመት ናብ ኣውስትራሊያ ዝተሰደ ኣቶ ያረድ ኤልሳእ፡ ናይ ፈለማ ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ክነብር ዝጀመረን፡ ጻዕዳ ኣውስትራሊያዊት ተመርዕዩ ብ ኢንጂኔሪንግ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ፕሮጀክትታት ዘማኽርን እዩ። ኣብቲ ንበይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋናት ህይወት ከመይ ነበረ? ድሕሪ 10 ዓመታት ንፈለማ ትግርኛ ምስ ዝዛረብ ሰብ ምስተራኸበ እንታይ ተሰሚዕዎ? ህይወት ምስ ጸዓዱ ጥራይ ምንባርን ካብ ተመኩሮ ህይወቱ ኣካፊሉና ኣሎ።
ናብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እተሰደ ኤርትራዊ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ (1952-2021) ዓሪፉ

Yared Elsae Source: Supplied
ያረድ ኤልሳእ፡ በዓል ቤታ ንወ/ሮ ኣን፡ ኣቦኦም ንሚካኤል፡ ኤልሳቤጥን ፍረወይኒን፡ ብክእለቱን ዓቕሙን እተመስከረሉን እተኸብረን ኢንጂኔር፡ ካብ ኤርትራዊያን ንፈለማ ናብ ኣውስትራሊያ ብስደት ዝመጸ፡ ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ሕማም ብዕለት 31/07/2021 ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ስድራቤት ያረድ፡ ንሓኻይምን ሰራሕተኛታትን ሆስፒታል ሞልግሬቭ ንያረድ ዘር ኣይዎ ክንክን ኣመስጊኖም ኣለዉ። ንሕና’ውን ን ኢንጂኔር ያረድ ዕረፍቲ፡ ንምሉእ ስድራቤት ድማ ምጽንናዕ እናተመነና፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ደጊምና ነቕርቦ ኣለና።
Share