ናብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እተሰደ ኤርትራዊ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ (1952-2021) ዓሪፉ

Yared Elsae

Yared Elsae Source: Supplied

ያረድ ኤልሳእ፡ በዓል ቤታ ንወ/ሮ ኣን፡ ኣቦኦም ንሚካኤል፡ ኤልሳቤጥን ፍረወይኒን፡ ብክእለቱን ዓቕሙን እተመስከረሉን እተኸብረን ኢንጂኔር፡ ካብ ኤርትራዊያን ንፈለማ ናብ ኣውስትራሊያ ብስደት ዝመጸ፡ ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ሕማም ብዕለት 31/07/2021 ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ስድራቤት ያረድ፡ ንሓኻይምን ሰራሕተኛታትን ሆስፒታል ሞልግሬቭ ንያረድ ዘር ኣይዎ ክንክን ኣመስጊኖም ኣለዉ። ንሕና’ውን ን ኢንጂኔር ያረድ ዕረፍቲ፡ ንምሉእ ስድራቤት ድማ ምጽንናዕ እናተመነና፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ደጊምና ነቕርቦ ኣለና።


ንትምህርቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 51 ዓመት ናብ ኣውስትራሊያ ዝተሰደ ኣቶ ያረድ ኤልሳእ፡ ናይ ፈለማ ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ክነብር ዝጀመረን፡ ጻዕዳ ኣውስትራሊያዊት ተመርዕዩ ብ ኢንጂኔሪንግ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ፕሮጀክትታት ዘማኽርን እዩ።  ኣብቲ ንበይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋናት ህይወት ከመይ ነበረ? ድሕሪ 10 ዓመታት ንፈለማ ትግርኛ ምስ ዝዛረብ ሰብ ምስተራኸበ እንታይ ተሰሚዕዎ? ህይወት ምስ ጸዓዱ ጥራይ ምንባርን ካብ ተመኩሮ ህይወቱ ኣካፊሉና ኣሎ። 


Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ናብ ኣውስትራሊያ ንፈለማ እተሰደ ኤርትራዊ ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ (1952-2021) ዓሪፉ | SBS Tigrinya