ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሕዳር 2023)

ንሎሚ 29 ሕዳር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ እስራኤል ፡ እቲ ምስ ሓማስ እተገብረ ዉዕል ተዂሲ ደው ምባል ድሕሪ ምብቃዑ እቲ ኲናት ብምሉእ ሓይሊ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትዩ ። ኣብ ህንዲ ኣብ ጥቓ ኣኽራን ሂማላያ ኣብ ዝርከብ ገለርያ ተቐርቂሮም ካብ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ፡ 17 ካብኦም ነጻ ክወጹ ክ ኢሎም ኣለዉ። ብመኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 53 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ተፈሊጡ።
Share