ኣመሪካ፡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቶም ክፍትሑ ብወግዒ ሓቲታ።

News

Source: AAP

ቅሩብ መዓልታት ድሕርቲ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ኣብ ቅድሚ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቀሪባ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ምግላጻ፤ ምክትል ፕረሲደንት ኣመሪካ እቶም ፓትርያርክ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ብወግዒ ሓቲቱ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ ነቶም ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፥ ካብ መዝነቶም ብወግዒ ኣውሪዱ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይህልዎም ንምኽልካል “መናፍቕ”ጌሩ ከም ዝወገዞም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ነዚ ዉሳነ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን አመሪካ፡ ኤውሮጳን ማአከላይ ምብራቕን አንጻር እቲ አብ ኣስመራ ዝርከብ ሲንዶስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ተቓዉሞ መግለጺ ኣውጺኡ አሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service