ኣብ ዙር ሩዋንዳ ብብቕዓቱ ተጠማቲ ኮይኑ ዝወጸ መንእሰይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ኣብ ፖድየም ተሰቒሉ

Nahom Zerai

Source: Twitter (Tour of Rwanda)

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/05/2021) * ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ዙር ሩዋንዳ ኣብ ዝተዛዘመሉን ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝተጀመረሉን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብብዝሒ ዝሳተፍሎም መድረኻት ኮይኖም፡ * ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ጎሊሓ ትረአ ሓያል ትኸውን ኣላ ክብል ሓደ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ ዘይዘተዘርበሎም ጀጋኑ ዙር ኢጣልያ ኣብ ዝብል ንኣማኑኤል ገ/ሄር መጻኢ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ክወዳደር ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ ብምባል ሓደ ዓምዲ ኣውጺኡ፡ * ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዐት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣውስትራልያ ኣብ ስእልታት ናይ’ታ ናብ ኦሎምፒክ ትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ጸዓዱ ዝዓብለልዎ ብምግባሩ እዚ ተርእዮ እንተዘይተቐይሩ ናብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ከይትኸይድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now

ኣብ ዙር ሩዋንዳ ብብቕዓቱ ተጠማቲ ኮይኑ ዝወጸ መንእሰይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ኣብ ፖድየም ተሰቒሉ | SBS Tigrinya