ካብቶም ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም 13 ሓድግታት ሓደ ካብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ከኣ ሳልሳይ ኮይኑ ዝተመዝገበ በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይጽምበል ኣሎ። ዓለም ብሰሪ ምዕጻው ኢንተርነት 8 ቢልዮን ክትከስር እንከላ ኢትዮጵያ 57 ሚልዮን ዶላር ኤርትራ 400, 000 ዶላር ከሲረን። ማሕበር ሓካይም ኤርትራ መበል 25 ጉባኤ ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ። ነበርቲ ሕንጣሎን ከባቢኣን መንግስቲ ትግራይ ሕቶ ወረዳ ስለዘይመለሰሉም ንኣርባዕተ መዓልታት ምስ መቐለ ዘራኽብ ጽርግያ ዓጽዮም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
Share






